Numbers (22/36)  

1. ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጎልጎል ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ።
2. ባላቅ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበሮ ኹሉ ረአየ።
3. ሞአብ ከአ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ብእኡ ኣዝዩ ፈርሄ። ሞኣብ ብደቂ እስራኤል ተሸበረ።
4. ሞኣብ ከአ ንዓበይቲ ሚድያን፡ ብዕራይ ሳዕሪ መሮር ከም ዚበልዕ፡ ሕጂ እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ኹሉ ኸምኡ ኺበልዖ እዩ፡ በሎም። በቲ ዘበን እቲ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር ንጉስ ሞኣብ ነበረ።
5. ንሱ ኸአ ናብታ ኣብ ጥቓ ርባ ዘላ ጴጠር ኣብ ሃገር ደቂ ህዝቡ ተቐሚጡ ዘሎ ናብ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ኢሎም ኪጽውዕዎ ልኡኻት ሰደድሉ፡ እንሆ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ ንሱ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ንሱ ኸአ ኣብ መንጽረይ ተቐሚጡ ኣሎ።
6. ንሱ ኻባይ ዚሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ ኣልምነካ ኣሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ ዝረገምካዮ ኸአ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቖኦን ካብ ሃገር ከአ ከውጽኦን እኽእል እየ።
7. ዓበይቲ ሞአብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ዓስቢ ጥንቁልና ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም ተቐመጡ።
8. ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለው ሰባት እንታዎት እዮም በለ።
9. ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለው ሰባት እንታዎት እዮም በለ።
10. በላዓም ከአ ንኣምላኽ በሎ፡ ባላቅ ወጺ ጺጶር፡ ንጉስ ሞአብ፡ እንሆ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለአኸለይ።
11. በላዓም ከአ ንኣምላኽ በሎ፡ ባላቅ ወጺ ጺጶር፡ ንጉስ ሞአብ፡ እንሆ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለአኸለይ።
12. ኣምላኽ ድማ ንበላዓም፡ ምሳታቶም ኣይትኺድ፡ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣይትርገሞ፡ በሎ።
13. በላዓም ከአ ብጊሓት ተንሲኡ ንሹማምቲ ባላቅ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይከይድ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ ንሃገርኩም ኪዱ በሎም።
14. ሹማምቲ ሞኣኣብ ድማ ተንሲኡ፡ ናብ ባላቅ መጺኦም ከአ፡ በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ፡ በልዎ።
15. ባላቅ ድማ መሊሱ ኻባታቶም ዚበዝሑን ዚኸብሩን ሹማምቲ ሰደደ።
16. ናብ በላዓም መጺኦም ከአ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ኣይትተዐገት።
17. ኣዝየ ከኽብረካ እየ፡ እትብለኒ ኹሉ ኸአ ክገብር እየ እሞ፡ በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ።
18. በላዓም ድማ ንገላው ባላቅ መለሰሎም በሎም ከአ፡ ባላቅ ብቤቱ መሊኡ እኳ ብሩርን ወርቅን እንተ ዚህበኒ፡ ብንእሽቶ ኾነ ወይ ብዓብዩ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከፍርስ ኣይክእልን እየ።
19. ሕጂ ኸአ እግዚኣብሄር መሊሱ ዚብለኒ ኺፈልጥሲ ንስኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብዚ ተቐመጡ።
20. ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ መጺኦም እንተ ኾይኖም፡ ተንሲካ ምሳታቶም ኪድ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደአ ግበር፡ በሎ።
21. በላዓም ከአ ብጊሓት ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ምስቶም ሹማምቲ ሞኣብ ከደ።
22. ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ ኹራ ኣምላኽ ነደደ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ኽልተ ገላውኡ ኸአ ምስኡ ኪኸዱ ኸለው፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኪኽልክሎ ኣብ መገዲ ደው በለ።
23. እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ምሉሕ ሴፍ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ መገዲ ደዊ ኢሉ ረአየት፡ እታ ኣድጊ ኸአ ካብ መገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኸደት። በላዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኽመልሳ ወቕዓ።
24. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ በዚ መንደቕ በቲ ድማ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ኹዕትቲ መገዲ ደው በለ።
25. እታ ኣድጊ ኸአ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ንሱ ኸአ መመሊሱ ወቕዓ።
26. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ሓሊፉ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም እተግልስ ኣብ ዜብላ መገዲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ደው በለ።
27. እታ ኣድጊ ኸአ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት። በላዓም ድማ ኮርዩ ተናደደ፡ ነታ ኣድጊ ኸአ ብበትሪ ወቕዓ።
28. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፡ ንሳ ድማ ንበላዓም፡ እዚ ስለስተ ሳዕ ዝወቓዕካኒኸ እንታይ ገይረካ እየ፡ በለቶ።
29. በላዓም ከአ ነታ ኣድጊ፡ ስለ ዘላገጽክለይ፡ ሴፍ ኣብ ኢደይ እንተ ዚህልወንስ፡ ሕጂ ሕጂ እኳ ምቐተልኩኺ በላ።
30. እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኮንኩን፡ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩን፡ በለቶ። ንሱ ኸአ፡ ኣይፋል፡ በለ፡
31. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በላዓም ከፈተ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መገዲ ደው ኢሉ፡ ምሉሕ ሴፉ ኸአ ኣብ ኢዱ ረአየ። ፍግም ኢሉ ድማ ብገጹ ተደፍኤ።
32. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፡ እዛ መገዲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ኣይኮነትን እሞ፡ እንሆ፡ ክኽልክለካ መጻእኩ።
33. እታ ኣድጊ ኸአ ርእያትኒ፡ ሰለስተ ሳዕ ካብ ቅድመይ እግለሰት፡ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፡ ንእኣ ብህይወት ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ በሎ።
34. በላዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንምኽልካለይ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ በደልኩ። ሕጂ ኸአ ዘጉህየካ እንተ ኾይኑስ እምለስ በሎ።
35. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም፡ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፡ ግናኸ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደአ ተዛረብ በሎ። በላዓም ከአ ምስቶም ሹማምቲ ባላቅ ከደ።
36. ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ኪቃባበሎ ናብታ ኣብ ድብ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፡ ኣብ ወሰን ዶብ ከደ።
37. ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ንምጽዋዕካ ኣጽኒዔዶ ኣይለኣኽኩልካን፡ ስለምንታይ ደአ ናባይ ዘይመጻእካ፡ ኣጸቢቐ ከኽብረካዶ ኣይክእልን እየ በሎ።
38. በላዓም ከአ ንባላቅ፡ እንሆ፡ ናባኻ መጺኤ ኣሎኹ። ሕጂ ገለ ነገር ክዛረብዶ እኽእል እየ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዜንብረለይ ቃል ንሱ እየ ዝዛረብ በሎ።
39. በላዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፡ ናብ ቂርያት ሑጾት ከአ መጹ።
40. ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዘለዉ ሹማምትን ሰደደ።
41. ኮነ ኸአ፡ ንጽብሒቱ ባላቅ ንበላዓም ወሲዱ ናብ ባሞትብዓል ኣደየቦ፡ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።

  Numbers (22/36)