Numbers (21/36)  

1. እቲ ኣብ ደቡብ ዚነብር ንጉስ ኣራድ ከነኣናዊ፡ እስራኤል ብመገዲ ኢታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ምስ እስራኤል ተዋግኤ፡ ካባታቶም ከአ ገለ ምርኮ ማረኸ።
2. ሽዑ እስራኤል፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካንስ፡ ከተማታቶም ክሐርመን እየ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ ተመባጽዔ።
3. እግዚኣብሄር ድማ ቃል እስራኤል ሰምዔ፡ ንከነኣናውያን ከአ ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ንኣታቶምን ንኸተማታቶምን ድማ ሓረምዎም፡ ስም እታ ቦታ ኸአ ሖርማ ተባህለት።
4. ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኣኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸአ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጸበበት እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን ነዚ ፈኩሽ እንጌራ ኸአ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፡ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ።
5. እግዚኣብሄር ከአ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኽስዎ፡ ካብ እስራኤል ከአ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።
6. እግዚኣብሄር ከአ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኽስዎ፡ ካብ እስራኤል ከአ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።
7. ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማት ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ።
8. እግዚኣብሄር ከአ ሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባለውን ሰቐሎ። ኮነ ኸአ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዝጥምት ይሓዊ ነበረ።
9. ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኣቦት ከአ ሰፈሩ።
10. ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኣቦት ከአ ሰፈሩ።
11. ካብ ኣቦት ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ መንጽር ሞአብ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዘሎ በረኻ ኣብ ዒየባሪም ሰፈሩ።
12. ካብኡ ተጓዒዞም ከአ፡ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ።
13. ካብኡ ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዚወጽእ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከአ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞአብ እዩ።
14. ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ተባሂሉ እዩ፡ ዋሄብ ኣብ ሱፉ ለሴታት ኣርኖን ከአ፡
15. ናብቲ ዓር እትነብረሉ ዜብል፡ ቁልቁለት ለሴታት ድማ፡ ናብ ዶብ ሞኣብውን ዚጽጋዕ።
16. ካባኡ ድማ ናብ ቤዓር ተጓዕዙ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ንሙሴ፡ ነቲ ህዝቢ ኣክቦ ኣነውን ክህቦም ኣየ፡ ዝበሎ ዔላ ንሱ እዩ።
17. ሽዑ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ዘመረ፡ ኣታ ዔላ፡ ፈልፍል፡ ንእኡ ዘምሩሉ፡
18. እቲ ሹማምቲ ዝኾዐትዎ፡ ኣውራታት ህዝቢ ብዘንጊ መንግስቲ፡ በባትሮም ዘጎድጎድዎ ዔላ። ካብ በረኻ ድማ ናብ ማታና፡
19. ካብ ማታና ኸአ ናብ ናሓላኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ድማ ናብ ባሞት፡
20. ካብ ባሞት ከአ ናብቲ ኣብ መሮር ሞኣብ ዘሎ ለሰ፡ ናብቲ ናብ በረኻ ዚርኢ ርእሲ ጲስጋ ተጓዕዙ።
21. እስራኤል ድማ ናብ ሲሆር ንጉስ ኣሞራውያን፡ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ ናብ ግርሁን ናብ ወይንን ኣይነልግስን፡ ማይ ዔላውን ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጎደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ።
22. እስራኤል ድማ ናብ ሲሆር ንጉስ ኣሞራውያን፡ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ ናብ ግርሁን ናብ ወይንን ኣይነልግስን፡ ማይ ዔላውን ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጎደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ።
23. ሲሆን ከአ እስራኤል ብዶቡ ኺሓልፍ ኣይፈቐደን እሞ ሲሆን ኩሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤል ኪቃባበሎም ናብ በረኻ ወጻ፡ ናብ ያሃጽ መጺኡ ኸአ ምስ እስራኤል ተዋግኤ።
24. እስራኤል ግና ብስሕለት ሴፍ ወቕዖ፡ ምድሩ ኸአ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ክሳዕ ደቂ ኣሞን ወረደ። ዶብ ደቂ ኣሞን ግና ጽኑዕ ነበረ።
25. እስራኤል ድማ ንኹለን እተን ከተማታት እቲኤን ሐዘን፡ እስራኤል ከአ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ሔስቦንን ኣብ ኩለን ዓድታትን ተቐመጠ።
26. ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ነበረት እሞ፡ ንሱ ምስቲ ቕድም ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ንብዘላ ምድሩ ኽሳዕ ኣርኖን ካብ ኢዱ ወሲድዋ ነበረ።
27. ስለዚ እቶም መሰልቲ ይብሉ፡ ናብ ሔስቦን ንዑ። ከተማ ሲሆን ትነደቕን ትተዐረድን።
28. ካብ ሔስቦን ሓዊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ፡ ንሱ ንዓር ናይ ሞኣብን ነቶም ጎይተት በረኽቲ ኣርኖንን በልዔ።
29. ሞኣብ ወይለኻ። ኣታ ህዝቢ ከሞሽ ጠፋኣካ። ኣወዳቱ ንምህዳም፡ ኣዋልዱ ኸኣ ንምርኮ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ሀቦ።
30. ንሕና ወርወርናሎም፡ ሔስቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኤት። ክሳዕ ኖፋሕ፡ ክሳዕ ሜድባ ዚበጽሕ ኣዐኖና።
31. በዚ ኸምዚ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያንን ተቐመጠ።
32. ሙሴ ድማ ናብ ያዕዘር ዚስልዩ ሰደደ፡ ዓድታተውን ሐዙ። ኣብኡ ንዝነብሩ ኣሞራውያን ከአ ኣውጽእዎም።
33. ተመሊሶም ድማ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ኦግ ንጉስ ባሳን ከአ፡ ንሱን ኩሉ ህዝቡን ናብ ኤድረይ ኪዋጋእን ኪቃባበሎምን ወጸ።
34. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንእኡን ንኹሉ ህዝቡን ምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገብርካዮ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ በሎ።
35. ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንኹሉ ህዝቡን፡ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፎ፡ ወቕዕዎ። ምድሩ ድማ ወረሱ።

  Numbers (21/36)