Numbers (20/36)  

1. ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ በረኻ ጺን አተው፡ ኣብ ቃዴስ ድማ ጸንሑ።። ሚርያም ከአ ኣብኡ ሞተት ኣብኡውን ተቐብረት።
2. እቲ ኣኼባ ድማ ማይ ኣይነሮን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተአከቡ።
3. እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሞቱ ኸለው እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና፡
4. ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎም፡
5. ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደየብኩምና፡ ናይ ዘርኢ ወይ ናይ በለስ ወይ ናይ ወይኒ ወይ ናይ ሮማን ቦታ ኣይኮነትን፡ ዚስተ ማይውን የብላን፡ ኢሎም ተቛየቖዎ።
6. ሙሴን ኣሮንን ከአ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ፡ ብገጾም ድማ ተደፍኡል። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም።
7. እግዚኣብሄር ድማ ሙሴን ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
8. ነታ በትሪ ውሰዳ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከአ ነቲ ኣኼባ ኣከብዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረቦም፡ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ንስኻን ካብቲ ኸውሒ ማይ ተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንኸብቶምን ከኣ ተስቲ።
9. ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅደሚ እግዚኣብሄር ውሰዳ፡
10. ሙሴን ኣሮንን ድማ ነታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣኪቦም፡ ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፡ በሎም።
11. ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፡ ብዙሕ ማይ ከአ ወጸ፡ እቲ ኣኼባን ከብቶምን ሰተዩ።
12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብአይ ስለ ዘይኣመንኩም፡ ስለዚ ነዛ ማሕበር እዚኣ ናብታ ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም፡ በሎም።
13. እዚ ማይ በሪባ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር እተቛየቛሉ፡ ንሱ ኸአ ኣባታቶም እተቐደሰሉ እዩ።
14. ሙሴ ድማ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም፡ ሓውካ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ እቲ ዝረኸበና ኹሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።
15. ኣቦታትና ናብ ግብጺ ኸምይ ከም ዝወረዱ፡ ኣብ ግብጺ ኸአ ነዊሕ ዘበለ ተቐመጥና፡ ግብጻውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ሓሰሙና።
16. ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእዌና፡ ንሱ ቓልና ሰምዔ፡ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እንሆ ኸአ፡ ንሕና ኣብ ወሰን ዶብካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ኣሎና።
17. በጃኻ፡ ብምድርኻ ኣሕልፈና፡ ብግርሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፡ ማይ ዔላ ኸአ ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይነግልስን፡ ብጎደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
18. ኤዶም ግና፡ ወጺኤ ብሴፍ ከይቀባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሓልፍን በሎ።
19. ደቂ እስራኤል ከአ፡ ብጎደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ። ጥራይ ንእግረይ ነገር ዜልቦ ኣሕልፈኒ፡ በልዎ። ኣኤዶም ድማ ምስ ብዙሕ ህዝብን ብሓያል ኢድን ኪቀባበሎ ወጸ።
20. በዚኸምዚ ኣኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ።
21. በዚኸምዚ ኣኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ።
22. ካብ ቃዴስ ድማ ተጓዕዙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ ናብ ከረን ሆር ወጸ።
23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
24. ኣብ ማይመሪባ ንትእዛዘይ ስለ ዝኣቤኹምዎ፡ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይኣቱን እዩ እሞ፡ ናብ ሰቡ ይተአከብ።
25. ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱ ድማ ከደኖ። ኣሮን ከአ ናብ ህዝቡ ይተአከብ፡ ኣብኡውን ይሙት።
26. ሙሴ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረኣዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ።
27. ሙሴ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረኣዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ።
28. ሙሴ ድማ፡ ኣሮን ከአ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ካብቲ ኸረን ወረዱ።
29. ኩሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ብዘለው ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።

  Numbers (20/36)