| ← Numbers (20/36) → |
| 1. | ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ በረኻ ጺን አተው፡ ኣብ ቃዴስ ድማ ጸንሑ።። ሚርያም ከአ ኣብኡ ሞተት ኣብኡውን ተቐብረት። |
| 2. | እቲ ኣኼባ ድማ ማይ ኣይነሮን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተአከቡ። |
| 3. | እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሞቱ ኸለው እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና፡ |
| 4. | ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎም፡ |
| 5. | ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደየብኩምና፡ ናይ ዘርኢ ወይ ናይ በለስ ወይ ናይ ወይኒ ወይ ናይ ሮማን ቦታ ኣይኮነትን፡ ዚስተ ማይውን የብላን፡ ኢሎም ተቛየቖዎ። |
| 6. | ሙሴን ኣሮንን ከአ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ፡ ብገጾም ድማ ተደፍኡል። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም። |
| 7. | እግዚኣብሄር ድማ ሙሴን ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 8. | ነታ በትሪ ውሰዳ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከአ ነቲ ኣኼባ ኣከብዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረቦም፡ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ንስኻን ካብቲ ኸውሒ ማይ ተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንኸብቶምን ከኣ ተስቲ። |
| 9. | ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅደሚ እግዚኣብሄር ውሰዳ፡ |
| 10. | ሙሴን ኣሮንን ድማ ነታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣኪቦም፡ ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፡ በሎም። |
| 11. | ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፡ ብዙሕ ማይ ከአ ወጸ፡ እቲ ኣኼባን ከብቶምን ሰተዩ። |
| 12. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብአይ ስለ ዘይኣመንኩም፡ ስለዚ ነዛ ማሕበር እዚኣ ናብታ ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም፡ በሎም። |
| 13. | እዚ ማይ በሪባ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር እተቛየቛሉ፡ ንሱ ኸአ ኣባታቶም እተቐደሰሉ እዩ። |
| 14. | ሙሴ ድማ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም፡ ሓውካ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ እቲ ዝረኸበና ኹሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ። |
| 15. | ኣቦታትና ናብ ግብጺ ኸምይ ከም ዝወረዱ፡ ኣብ ግብጺ ኸአ ነዊሕ ዘበለ ተቐመጥና፡ ግብጻውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ሓሰሙና። |
| 16. | ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእዌና፡ ንሱ ቓልና ሰምዔ፡ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እንሆ ኸአ፡ ንሕና ኣብ ወሰን ዶብካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ኣሎና። |
| 17. | በጃኻ፡ ብምድርኻ ኣሕልፈና፡ ብግርሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፡ ማይ ዔላ ኸአ ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይነግልስን፡ ብጎደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። |
| 18. | ኤዶም ግና፡ ወጺኤ ብሴፍ ከይቀባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሓልፍን በሎ። |
| 19. | ደቂ እስራኤል ከአ፡ ብጎደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ። ጥራይ ንእግረይ ነገር ዜልቦ ኣሕልፈኒ፡ በልዎ። ኣኤዶም ድማ ምስ ብዙሕ ህዝብን ብሓያል ኢድን ኪቀባበሎ ወጸ። |
| 20. | በዚኸምዚ ኣኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ። |
| 21. | በዚኸምዚ ኣኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ። |
| 22. | ካብ ቃዴስ ድማ ተጓዕዙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ ናብ ከረን ሆር ወጸ። |
| 23. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ |
| 24. | ኣብ ማይመሪባ ንትእዛዘይ ስለ ዝኣቤኹምዎ፡ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይኣቱን እዩ እሞ፡ ናብ ሰቡ ይተአከብ። |
| 25. | ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱ ድማ ከደኖ። ኣሮን ከአ ናብ ህዝቡ ይተአከብ፡ ኣብኡውን ይሙት። |
| 26. | ሙሴ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረኣዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ። |
| 27. | ሙሴ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረኣዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ። |
| 28. | ሙሴ ድማ፡ ኣሮን ከአ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ካብቲ ኸረን ወረዱ። |
| 29. | ኩሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ብዘለው ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። |
| ← Numbers (20/36) → |