Numbers (2/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2. ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጠጥቓ ሰንደቕ ዕላምኡን ኣብ ነናይ መንጽር ድንኳን ምርኻብ ብዙርያኡ ይሰፈሩ።
3. እቶም ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ዞሰፍሩ፡ ከም ሰራዊቶም ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ ይኹን። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናደብ እዩ።
4. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ነበሩ።
5. ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዩ።
6. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
7. ነገድ ዛብሎን ከኣ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዩ።
8. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
9. እቶም ቁጹራት ሰፈር ይሁዳ ኹሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሹዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጎዐዙ።
10. ሰንደቕ ዕላማ ደፈር ሮቤል፡ ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዩ፡
11. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ኣርብዓን ሹዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
12. ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ስምኦን ይኹኑ፡ ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሹሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ።
13. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበሩ።
14. ነገድ ጋድ ድማ፡ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ።
15. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጎዐዙ።
16. ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈረ ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጎዐዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ይጎዐዙ።
17. ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈረ ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጎዐዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ይጎዐዙ።
18. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ኤፍሬም ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዩ።
19. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
20. ምስኡ ገጢሙ ኸኣ ነገድ ምናሴ፡ ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጸር እዩ፡
21. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
22. ድማ ነገድ ብንያም፡ ሹም ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊደዖኒ እዩ።
23. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
24. እቶም ቁጹራት ሰፈር ኤፍሬም ኩሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሾሞንተን ሽሕን ሓደ ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጎዐዙ።
25. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ዳን ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ፡
26. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ነበሩ።
27. ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ከኣ ጳግዔል ወዲ ዖክራን እዩ፡
28. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
29. ነገድ ንፍታሌም ድማ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዩ።
30. ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
31. እቶም ቁጹራት ሰፈር ዳን ኩሎም ሚእትን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ደጀን ኮይኖም ይጎዐዙ።
32. እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቖጽሩ እዚኣቶም እዮም። እቶም ኣብ ሰፈር በብስራዊቶም እተቖጽሩ ኹሎም ሹዱሽተ ሚእትን ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
33. ሌዋውያን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ኣይተቖጽሩን።
34. ደቂ እስራኤል ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ገበሩ፡ ከምኡ በብሰንደቕ ዕላምኦም ሰፈሩ፡ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ተጓዕዙ።

  Numbers (2/36)