Numbers (17/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም እሞ ኻባታቶም ከካብ ማይ ቤት ኣቦታቶም በበትሪ፡ ካብ ኩሎም ሹማምቶም ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ዓሰርተው ክልተ በትሪ ጽሑፍ።
3. ነንሹም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሕናቲ በትሪ ትኹን እሞ፡ ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጽሑፍ።
4. ናብቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝራኸበሉ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ ምስክር ከአ ኣንብረን።
5. ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ዝሓሬኽዎ ሰብኣይ፡ በትሩ ኽትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ዜጉረምርሙልኩም ምጉርምራም ከአ ኣብ ቅድመይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
6. ሙሴ ኸአ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦ፡ ኩሎም ሹማምቶም ድማ ኣባትር በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነናይ ሹም ሓደ፡ ዓሰርተው ክልተ በትሪ ሀብዎ። በትሪ ኣሮን ከአ ኣብ ማእከል ኣባትሮም ነበረት።
7. ሙሴ ድማ ነተን ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አንበረን።
8. ኮነ ድማ፡ ሙሴ ንጽቡሒቱ ናብ ድንኳን ምስክር አተወ፡ እንሆ ኸአ፡ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሔት፡ ቁጽሊ ኸአ ኣውጽኤት፡ ዕምበባውን ዓምበበት፡ ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈረየት።
9. ሙሴ ኸአ ንኹለን ኣባትር ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤል ኣውጽኤን፡ ርእዮም ድማ ነፍሲ ወከፍ በትሩ ወሰደ።
10. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጉርምራሞም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ኽትኮኖም፡ ንበትሪ ኣሮን፡ ኣብኡ ኽትሕሎ፡ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳ፡ በሎ።
11. ሙሴ ኸአ እዚ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸምኡ ገብረ።
12. ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ተፋእና ኩልና ጠፋኣና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኩልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
13. ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ተፋእና ኩልና ጠፋኣና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኩልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።

  Numbers (17/36)