| ← Numbers (17/36) → | 
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ | 
| 2. | ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም እሞ ኻባታቶም ከካብ ማይ ቤት ኣቦታቶም በበትሪ፡ ካብ ኩሎም ሹማምቶም ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ዓሰርተው ክልተ በትሪ ጽሑፍ። | 
| 3. | ነንሹም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሕናቲ በትሪ ትኹን እሞ፡ ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጽሑፍ። | 
| 4. | ናብቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝራኸበሉ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ ምስክር ከአ ኣንብረን። | 
| 5. | ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ዝሓሬኽዎ ሰብኣይ፡ በትሩ ኽትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ዜጉረምርሙልኩም ምጉርምራም ከአ ኣብ ቅድመይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። | 
| 6. | ሙሴ ኸአ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦ፡ ኩሎም ሹማምቶም ድማ ኣባትር በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነናይ ሹም ሓደ፡ ዓሰርተው ክልተ በትሪ ሀብዎ። በትሪ ኣሮን ከአ ኣብ ማእከል ኣባትሮም ነበረት። | 
| 7. | ሙሴ ድማ ነተን ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አንበረን። | 
| 8. | ኮነ ድማ፡ ሙሴ ንጽቡሒቱ ናብ ድንኳን ምስክር አተወ፡ እንሆ ኸአ፡ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሔት፡ ቁጽሊ ኸአ ኣውጽኤት፡ ዕምበባውን ዓምበበት፡ ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈረየት። | 
| 9. | ሙሴ ኸአ ንኹለን ኣባትር ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤል ኣውጽኤን፡ ርእዮም ድማ ነፍሲ ወከፍ በትሩ ወሰደ። | 
| 10. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጉርምራሞም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ኽትኮኖም፡ ንበትሪ ኣሮን፡ ኣብኡ ኽትሕሎ፡ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳ፡ በሎ። | 
| 11. | ሙሴ ኸአ እዚ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸምኡ ገብረ። | 
| 12. | ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ተፋእና ኩልና ጠፋኣና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኩልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። | 
| 13. | ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ተፋእና ኩልና ጠፋኣና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኩልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። | 
| ← Numbers (17/36) → |