Numbers (16/36)  

1. ቆራሕ ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቃሃት ወዲ ሌዊ፡ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብ፡ ኦን ከአ ወዲ ጴሌት፡ ደቂ ሮቤል፡
2. ሓያሎ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሹማምቲ እቲ ኣኼባ፡ ብማሕበር እተጸውዑ ስሙያት ሰባት ሒዞም ንሙሴ ተላዕልዎ።
3. ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተአኪቦም ድማ፡ ብዘለው ኣኼባ ኹሎም ቅዱሳን እዮም፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም ኣዩ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ ኣሎኹም በልዎም።
4. ሙሴ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ብገጹ ተደፍኤ።
5. ንቆራሕን ነቶም ኣኼባኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን ኣቲ ቕዱስን እቲ ናብኡ ዜቕርቦን መን ከም ዝኾነ፡ ኬፍልጥ እዩ።
6. ከምዚ ግበሩ፡ ቆራሕን ብዘሎ ኣኼባኡን ጸጽንሃህኩም ውሰዱ፡
7. ጽባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ግበረሉ፡ ዕጣን ከአ ኣእትውሉ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚሐርዮ ሰብኣይ፡ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ።
8. ሙሴ ኸአ ንቆራሕ በሎ፡ ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ ሕጂ ስምዑ።
9. ኣብ ማሕደር እግዚኣብሄር ከተገልግሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ኢልኩም ከአ ከተገልግልዎ፡ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኬቕርበኩም ኢሉ፡ ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩምዶ ውሑድኩም እዩ።
10. ንኣኻን ንኹሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊ ድማ ምሳኻን ናብኡ ኣቕሪቡኩምሲ፡ ክህነትዶ ድማ ድሊኹም፡
11. ስለዚ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም እተአከብኩም። ኣሮንከ፡ ኣብ ልዕሊኡ እተጉረምርሙ፡ ንሱ እንታይ እዩ።
12. ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ፡ ኪጽውዑሉ ለአኸ። ንሳቶም ከአ፡ ኣይንድይብን፡ በሉ።
13. ኣብ በረኻ ክትቀትለና ኢልካ፡ ካብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውጻእካናዶ ውሒዱ እዩ፡ ኣብ ልዕሌና ኽትሽየምዶ ንርእስኻ ትሸይም።፡
14. ብዝተረፈስ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኣይእቶኻናን ግርቡን ኣታኽልቲ ወይንን ከአ ኣየረስቴኻናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኦምዶ ኽተንቁር ደሊኻ ኢኻ፡ ኣይንድይብን።
15. ሙሴ ድማ ኣዝዩ ተናዲዱ ንእግዚኣብሂር፡ ናብ መስዋእቶም ኣይተጠምት፡ ካባታቶም ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ካባታቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፡ በሎ።
16. ሙሴ ድማ ንቆራሕ፡ ጽባሕ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን፡ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተረኸቡ።
17. ነፍሲ ወከፍ ከአ ጽንሃሁ ይውሰድ፡ ዕጣን ድማ ይገብረሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ጽንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፡ ንስኻን ኣሮንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ይውሰድ በሎ።
18. ነፍሲ ወከፍ ከአ ጽንሃሁ ወሰደ፡ ሃዊ ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸአ ዕጣን ኣእተውሉ፡ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከአ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው በሉ።
19. ቆራሕ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ ተራእየ።
20. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡
21. ካብ ማእከል ኣዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኽውድኦም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
22. ሽዑ ንሳቶም፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ነፍሳት ኩሉ ስጋ፡ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፡ ንብዘሎ ኣኼባዶ ኽትቑጥዖ ኢኻ፡ ኢሎም ብገጾም ተደፍኡ።
23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
24. ነቲ ኣኼባ ኻብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግለሱ፡ ኢልካ ተዛረቦም።
25. ሙሴ ድማ ተንሲኡ ናብ ዳታን ኣቢራምን ከደ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከአ ሰዐብዎ።
26. ነቲ ኣኼባ ኸኣ፡ በጃኹም፡ ካብ ድንኳውንቲ እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ኣግልሱ፡ ብኹሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸአ ናቶም ዘበለ ኣይትተንከዮ፡ ኢሉ ተዛርቦም።
27. ንሳቶምውን ካብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግለሱ። ዳታንን ኣቢራምን ግና ወጺኣኦም፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ሕጻናቶምን ኣብ ኣፍ ድንኳውንቶም ደው በሉ።
28. ሙሴ ኸአ፡ ካብ ፍቓደይ ዘይኮነ፡ ነዚ ኹሉ ግብሪ እዚ ኽገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለአኸኒ፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡
29. እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣምውታ ኹሉ ሰብ እንተ ሞቱ፡ ወይ ንኹሉ ሰብ ዚበጽሕ ጥራይ እንተ በጽሖም፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣይለአኸንን።
30. እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፡ እዚኣቶም ምስ ኩሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኣንተ ወሓጠቶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዐቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ በለ።
31. ኮነ ኸአ፡ እዚ ኹሉ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደት፡
32. ምድሪ ኸአ ኣፋ ኸፈተት፡ ንኣታቶምን ነቦታቶምን ንኹሎም ናይ ቆራሕ ሰብን ንኹሉ ገንዘቦምን ወሐጠቶም።
33. ንሳቶም ምስ ኩሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፡ ምድሪ ኸአ ደፈነቶም፡ ካብ ማእከል ማሕበር ድማ ጠፍኡ።
34. እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ብዘለው እስራኤል ከአ ጭራሕምራሖም ሰሚዖም፡ ናኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና፡ ኢሎም ሀደሙ።
35. ካብ እግዚኣብሄር ከአ ሓዊ ወጸ፡ ነቶም ዚዐጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
36. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
37. ንኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እቲ ጽንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንዳድ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሓዊ ኸአ ናብዝን ናብትን ፋሕ ኣብሎ በሎ።
38. ነቲ ጽንሃሃት ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ፡ እቲ መሰውኢ ብእኡ ኺልበጥ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ፡ ተቐደሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ትእምርቲ ይኹን።
39. ኣልኣዛር ካህን ከአ ነቲ እቶም ዝነደዱ ጽንሃሃት ኣስራዚ ወሰዶ፡ ንመለበጢ መሰውኢ ኪኸውን ከአ ኣርቀቕዎ።
40. ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ኪዐጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይቐርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ኣኼባኡን ከይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝበሎ፡ ንደቂ እስራኣኤል መዘከርታ ይኹን።
41. ንጽቢሒቱ ድማ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኣኤል፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልኩምዎ፡ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጉረምረሙ።
42. ኮነ ኸአ፡ እቲ ኣኼባ ናብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ምስ ተአከበ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣቢሎም ግልጽ በሉ፡ እንሆ ድማ ደበና ኣጎልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከአ ተራእየ።
43. ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መጹ።
44. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ፍልይ በሉ፡ ኣነ ብቕጽበት ዓይኒ ኸጥፍኦም ኣየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሳቶም ብገጾም ተደፍኡ።
45. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ፍልይ በሉ፡ ኣነ ብቕጽበት ዓይኒ ኸጥፍኦም ኣየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሳቶም ብገጾም ተደፍኡ።
46. ሙሴ ኸአ ንኣሮን፡ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቁጥዓ ወጺኡ፡ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፡ ጽንሃካ ወሲድካ፡ ካብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፡ ዕጣን ከአ ኣእተወሉ፡ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ኣኼባ ኺድ እሞ ኣተዐርቆም፡ በሎ።
47. ኣሮን ከአ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፡ ጽንሃህ ወሰደ፡ ናብ ማእከል ማሕበር ድማ ጎየየ። እንሆ ኸአ፡ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፡ ዕጥን ገይሩ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣተዐረቖ።
48. ኣብ መንጎ ምውታንን ህያዋንን ደው በለ፡ እቲ መዓት ከአ ዝግበለ።
49. ብጀካ እቶም ብሰሪ ቆራሕ ዝሞቱ፡ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኮኑ።
50. ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተመልሰ፡ ኣቲ መዓት ከአ ዝግ በለ።

  Numbers (16/36)