Numbers (15/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንደቂ እስራኤል ተዛርቦም በሎም ከአ፡ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡
3. እግዚኣብሄር መስዋኣቲ ሓዊ ዚሓርር መስዋኣቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፡ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ ወይ ናይ በዓላትኩም ብኣሓ ወይ ብጤለበጊዕ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኽትገብሩ እንተ ትስውኡ፡
4. ሽዑ ኣቲ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ ንመስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኣኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብብርዒ ሂን ዘይቲ እተቖምጥዔ የቕርብ።
5. ንመስዋእቲ መስተ ኸአ ምስቲ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ወይኒ ግበር።
6. ወይ ንድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፍ ድኹም ሓርጭ፡ ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ግበር።
7. ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ወይኒ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣቕርብ።
8. ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝራብዕ እንተ እቕረብካ፡
9. ሽዑ ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ብልዒ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብፈረቓ ሂን ዘይቲ ኣተቖምጥዔ፡ ኣቕርብ።
10. ንመስዋእቲ መስተ ድማ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዛብሄር ንጥዑም ጬና ፈረቓ ሂ ወይን ኣቕርብ።
11. ከማኡ ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንወጠጦ ይገብር።
12. ከም ቁጽሪ እቶም እተስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም ከም ቁጽሮም ግበሩ።
13. ወዲ ዓዲ ዘበለ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣኣብሄር ንጥዑም ጨና ምስ ዜቕርብ፡ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ይግበሮ።
14. ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእከልኩም ዚነብር፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ ምስ ዚቐርብ፡ ንሱ ኸምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ፡ ከምኡ ይግበር።
15. ኣብታ ማሕበር ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓና ኸማኻትኩም ይኹን።
16. ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።
17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ፡
18. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከአ፡ ናብታ ኣነ ዚእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡
19. ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ እንጌራ እታ ምድሪ ምስ እትበልዑ፡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ።
20. ካብ ቀዳማይ ብሒቕኩም ዚልዐል መስዋእቲ ሓደ ቅጫ ኣቕርቡ፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዚልዐል መስዋእቲ እትገብርዎ፡ ከምኡ ኣልዕልዎ።
21. ካብቲ ቐዳማይ ብሑቕኩም ንዉሉድ ወለዶኹም ዚልዐል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሀቡ።
22. እንተ ተጋጌኹም፡ እዚ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝነገሮ ኹሉ ትእዛዛት እዚ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኩሉ፡ ካባታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝህበላ መዓልቲ ንንየው ከአ ክሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሐሎኹምዎ፡
23. እንተ ተጋጌኹም፡ እዚ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝነገሮ ኹሉ ትእዛዛት እዚ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኩሉ፡ ካባታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝህበላ መዓልቲ ንንየው ከአ ክሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሐሎኹምዎ፡
24. እዚ ድማ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ፡ ብጌጋ ኣንተ ተገብረ፡ ሽዑ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንዚሓርር መስዋእቲ ኸምቲ ስርዓቱ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ የቕርብ።
25. ንሱ ብጌጋ እተገብረ እዩ፡ ንሳቶም ከአ መስዋእቶም መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣምጻኡ፡ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ ናብ ሓጢኣት መስዋእቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም እዮም እሞ፡ እቲ ኻህን ከአ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል የተዐርቕ፡ ሽዑ ይሕደገሎም እዩ።
26. ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብዘይ ፍልጠት እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ይሕደገሎም እዩ።
27. ሓደ ሰብ ብጌጋ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣርሕዶ ዓመት የቕርብ።
28. ነቶ ብጌጋ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ከአ ንምትዕራቑ ኣቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ሽዑ ይሕደገሉ እዩ።
29. ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዚግበር ነገር ንወዲ ዓዲ ኻብ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።
30. ወዲ ዓዱ ኾነ ወይ ጓና፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ይመንቆስ።
31. ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፡ ትእዛዙ ኸአ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ንሱ ፈጺሙ ይመንቆስ፡ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።
32. ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ኸለው፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕጨይቲ ኺኣሪ ረኸቡ።
33. እቶም ዕጨይቲ ኺአሪ ዝረኸብዎ ኸአ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባን ኣቕረብዎ።
34. እቲ ኽገብርዎ ዚግባእ ኣይተገልጸን ነበረ እሞ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።
35. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ፡ በሎ።
36. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ናብ ወጻኣኢ ሰፈር ኣውጽኦ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸአ።
37. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
38. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ንውሉድ ወለዶኦም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከአ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ ንገሮም።
39. ነቲ ብእኡ ናብ ምንዝርና እትኸዱ ዘለኹም፡ ደድሕሪ ድሌት ልብኹምን ዓይንኹምን ከይትስዕቡ፡ ንእኡ ርኢኹም ንኹሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትዝክርዎን ኽትገብርዎን፡ ዘፈር መዘከሪ ይኹነልኩም።
40. ንኹሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ኽትገብርዎን፡ ንኣምላኽኩም ከአ ቅዱሳን ክትኮኑ ኣዩ።
41. ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ እግዚኣብብሄር ኣምላክኽኩም እየ።

  Numbers (15/36)