Numbers (14/36)  

1. ብዘለው እቶ ኣኼባ ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ጨርሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸአ በታ ለይቲ እቲኣ ኺበኪ ሓደረ።
2. ኩሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጉረምረሙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸአ በሎም፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና መን ምሀበና።
3. ንሕና ብሴፍ ክንወድቕ፡ ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ክማረኹ፡ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና፡ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሕሸናን፡
4. ንሓድሕዶም ከአ፡ ሓለቓ ግዳ ንሽም ኣሞ ናብ ግብጺ ንመለስ ተባሃሃሉ።
5. ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘላ እታ ማሓበር ኣኼባ ደቂ እስራኤል ብገጾም ተፈፍኡ።
6. ኣያሱ ወዲ ኔዌን ካሌብ ወዲ የፋነን፡ ካብቶም ሰለይቲ ኣታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡
7. ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ።
8. እግዚኣቤር እንተ ዘትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ናብታ ምድሪ እቲኣኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ።
9. ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም ኣሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣትፍርህዎም። ኣቲ ዜጽልለሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ ኣግዚኣብሄር ከአ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም።
10. ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚንዕቀኒ፡ ክሳዕ መአዝከ እዮም በቲ ኹሉ ኣብ ማእከሎም ዘገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፡
12. ብፌራ ኽወቖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።
13. ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ እቶም ግብጻውያን፡ ንስኻ እኳ ነዚ ህዝቢ ኻብ ማእክለኦም ብሓይልኻ ዘደየብካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም፡
14. ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚነብሩ ድማ ኪነግሩ እዮም፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዘሎኻ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ከም እተርኤኻ፡ ደበናኻውን ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚቐውም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸአ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ከም እትኸይድ ድማ ሰሚዖም አለው።
15. ሕጂ ኸአ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም ንሓደ ሰብ ጌርካ እንተ ቐተልካዮ፡ ሽዑ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፡
16. እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከአለን፡ ኣብ በረኻ ሓረዶም፡ ኢሎም ኪዛረቡ ኣዮም።
17. ሕጂ ኸአ እልምነካ ኣሎኹ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ይዕበ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምዚ ኢልካ፡
18. እግዚኣብሄር ንኹራ ደንጓይ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ፡ ንሱ በደልን ሓጢኣትን ይቕረ ይብል፡ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ይቐጽዕ እምበር፡ ንበዳሊ ኸይቀጽዔ ኣይሓድጎን።
19. ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ሒዝካ ኽሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ፡ ሕጂ ኸአ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ዓቡ ምሕረትካ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።
20. እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለ እየ።
21. ግናኸ ኣነ ብሓቂ ህያው እየ፡ ብዘላ ምድሪ ኸአ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ፡
22. ኩሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፡ ድሮ ዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒ፡ ቃለይ ከአ ኣይሰምዑን፡
23. ነታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ከቶ ኣይርእይዋን፡ ካባቶም ዝነዐቑኒውን ሓደ እኳ ኣይርእያን።
24. ንባርያይ ካሌብ ግና፡ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ ፈጺሙውን ስለ ዝሰምዐኒ፡ ናብታ አትይዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪወርሳ እዩ።
25. ኣብ ለሰ ድማ ኣማሊቃውያንን ከነኣናውያንን ይነብሩ ኣለው እሞ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ በመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጎዐዙ።
26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም።
27. ነዚ ዜጉረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መአዝ ክጾሮ እየ፡ እቲ ደቂ እስራኣኤል ዜጉረምሩሙለይ ምጉርምራም ሰሜዔ ኣለኹ።
28. በሎም ከአ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከምቲ ኣብ እዝነይ እተዛረብኩዎም፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡
29. ኣቱም ዘጉረምረምኩምለይ ኩላትኩም እተቖጸርኩም ከምቲ ኹሉ ቖጽርኹም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።
30. ናብታ ኣብኣ ኸናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩምላ ምድሪ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይታትውን።
31. ነቶም ምርኮ ኪኾኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ከአትዎም እየ፡ ነታ ዝነዐቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም።
32. ንስኻትኩም ግና፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኼወድቕ እዩ።
33. ደቅኹም ከአ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት ጓሶት ኪኾኑ እዮም፡ ሬሳኹም ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከአ ምንዝርናኹም ኪጾሩ እዮም።
34. ከም ቁጽሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰሌኹምለን መዓልትታት ኣርብዓ መኦኣልቲ፡ ሓንቲ ዓመት ኣብ ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትጾሩ ኢኹም፡ ካባኻትኩም ከም ዝረሓቕኩ ኸአ፡ ኽትፈልጡ ኢኹም።
35. ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ፡ ነዚ ኹሉ ኣባይ ብሓደ እተሓባበረልይ ሕሱም ኣኼባ ብሓቂ ኸምኡ ኸገብሮ እየ፡ ኣብዚ በረኻ እዚ ኽወድኡ እዮም፡ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም።
36. እቶም ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ዘጉረምረሙሉ፡
37. እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ብመቕዘፍቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
38. ካብቶም ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ብህይወት ተረፉ።
39. ሙሴ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸአ ብብዙሕ ሓዘነ።
40. ንብጊሓት ድማ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ በዲልና ኢና እሞ፡ እኔና ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንደይብ ኣሎና፡ ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ።
41. ሙሴ ግና በሎም፡ ሕጂ ንስኻትኩም ስለምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ፡ ኣይቐንዓኩምን እዩ።
42. እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልኩም ኣይኮነን እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትስዐቱ፡ ኣይትደትቡ።
43. ኣብኡ ኣማሊቃውያንን ከነኣናውያንን ኣብ ቅድሜኹም ኣለው እሞ፡ ብሴፍ ክትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ከአ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ።
44. ንሳቶም ግና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይብ ደፊሩ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሙሴን ግና ካብ ሰፈር ኣይለቐቑን።
45. እቶም ኣብታ ኸረን ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነአናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎ፡ ክሳዕ ሖርማ ኸአ ቀጥቀጥዎም።

  Numbers (14/36)