Numbers (13/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ነታ ኣነ ንደቂ እስራኣኤል ዝህቦም ምድሪ ኸናኣን ዚስልዩ ሰባት ስደድ፡ ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓደ ሰብ፡ ኩሎም ካብቶም ሹማምቶም ይስደዱ።
3. ሙሴ ድማ ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም። እዞም ሰባት እዚኦም ኩሎም ሓላቑ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
4. ስሞም ከአ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ኣሙዓ ወዚ ዛኩር፡
5. ካብ ነገድ ስምኦን ሻፋጥ ወዲ ሖሪ፡
6. ካብ ነገድ ይሁዳ ካሌብ ወዲ የፋነ፡
7. ካብ ነገድ ይሳኮር ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፡
8. ካብ ነገድ ኤፍሬም ሆሽዓ ወዲ ኔዌ፡
9. ካብ ነገድ ብንያም ጳልጢ ወዲ ራፋ፡
10. ነገድ ዮሴፍ፡ ማለት ካብ ነገድ ምናሴ፡ ጋድ ወዲ ሱሲ፡
11. ካብ ነገድ ዳን ዓሚኤል ወዲ ግማሊ፡
12. ካብ ነገድ ዳን ዓሚኤል ወዲ ግማሊ፡
13. ካብ ነገድ ኣሴር ስቱር ወዲ ሚካኤል፡
14. ካብ ነገድ ንፍታሌም ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፡
15. ካብ ነገድ ጋድ ዓውኤል ወዲ ማኪ።
16. ስም እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ንሆሼዐ ወዲ ነዌ፡ እያሱ ኣውጽኣሉ።
17. ሙሴ፡ ምድሪ ኸነኣን ኪስልዩ ሰደዶም። በሎም ከአ፡ ካብዚ ንደቡብ ኬድኩም ናብ ኣኽራን ደይቡ፡
18. እታ ሃገር ድማ ንሳ ኸምይ ከም ዝኾነት፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፡
19. እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፡ ንሳ ጽብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፡ እተን ዚነብሩለን ከተማታት ከአ ከመይ ምዃነን፡ ሰፈር እንተ ኾይነን ወይ ዕርድታት፡
20. እታ ምድሪውን ከመይ ምዃና፡ ንሳ ረጓድ እንተ ኾይና ወይ ረቃቕ፡ ኣእዋም እንተለዋ ወይ እንተ ዜብላ፡ ርአዩ። ትብዑ ኸአ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ። እተን መዓልትታት እቲኤን ከአ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዚበስለለን ግዚያት ነበራ።
21. ንሳቶም ከአ ደይቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን ካዕ እታ ኣብ መኣተዊ ሓማት ዘላ ሪሓብ ሰለይዋ።
22. ናብ ደቡብ ከአ ደየቡ፡ ናብ ኬብሮንውን ኣተው፡ ኣብኣ ድማ ኣሒማን፡ ሼሳይን ታልማይን ደቂ ዓናቅ ነበሩ። ኬብሮን ከአ ሾብዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብጺ ዘላ ጾዓን ተሰርሔት።
23. ናብ ርባ ኤሽኮል ከአ መጹ፡ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቖሪጾም፡ ክልተ ኾይኖም ብመሰላጾርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስን ከአ ተማልኡ።
24. እታ ቦታ እቲኣ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዝቖጸረዎ ኣስካል፡ ለሰ ኤሽኮል ተባህለት።
25. ኣብ መወዳኣታ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ።
26. ከይዶም ከአ ኣብ በረኻ ጳራን ኣብ ቃዴስ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን መጹ። ናኣታቶምን ንብዘሎ ኣኼባን እቲ ነገር ኣዛረብዎም፡ ፍረ እታ ምስሪውን ኣርኣይዎም።
27. ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተውሉ፡ ናብታ ዝሰድድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸአ እዚ እዩ።
28. ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፡ ኣተን ከተማታት ከአ እተዐርዳን እዝየን ዓበይትን እየን፡ ኣብኡ ድማ ደቂ ዓናቅ ርኤና።
29. ኣብ ሃገር ደቡብ ኣማሌቕ ይነብር ኣሎ፡ ኣብ ኣኽራን ከአ ሔታውያንን ይቡሳውያንን ኣሞራውያንን ይነብሩ ኣለው፡ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብሸነኽ ዮርዳኖስን ድማ ከነኣናውያን ይነብሩ ኣለው።
30. ካሌብ ከአ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦ፡ ኣጽቢቕና ንኽእላ ኢና ኣሞ፡ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፡ ድማ በለ።
31. ኣቶም ምስኡ ደይቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ንሱ ኻባና ዚሕይል እዩ እሞ፡ ናብታ ህዝቢ እቲ ኽንድይብ ኣይንኽእልን ኢና በሉ።
32. ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸአ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ክፉእ ነገር ኣውረዩሎም፡ እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፡ ንሳ ነቶም ዚነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዝርኤናዮም ኩሎም ህዝቢ ኸአ ነዋሕቲ ሰባት እዮም።
33. ኣብኣ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት፡ ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርኤና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ኾንና፡ ኣብ ኣዒንቶም ከአ ከምኡ ነበርና።

  Numbers (13/36)