Numbers (12/36)  

1. ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
2. እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፡ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፡ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ።
3. እቲ ሰብኣይ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።
4. ብኡብኡ ኣግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ውጹ፡ በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ።
5. እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም፡ ክልቲኦም ከአ ወጹ።
6. በሎም ድማ ዘረባይ ደአ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዩ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራኣይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ።
7. ባርያይ ሙሴስ ከማኡ ኣይኮነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን ኣዩ።
8. ብግልጺ እምበር፡ ብኸውሊ ዘረባ ኣይኮነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈረህኩም።
9. ኩራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ።
10. እቲ ደበና ኸአ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸአ፡ ሚርያም ለምጻም ኮነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ። እንሆ ኸአ ለምጻም ኮይና ነበረት።
11. ሽዑ ኣሮን ንሙሴ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ስለቲ ብዕሽነተና ዝገብርናዮን ዝበደልናዮን፡ ብጃኻ፡ ሓጢኣት ኣይተጹረና።
12. በጃኻ፡ ብምውቱ ኸም እተወልደ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኺወጽእ ከሎ ፈረቓ ስጋኡ ኸም እተወድኤ ትኹን፡ ኣይትሕደጋ በሎ።
13. ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ ኣሎኹ ኣሕውያ፡ ኢሉ ጨርሔ።
14. እግዚኣብሄር ከአ ንሙሴ፡ ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትተዐጾ፡ ደሓር ከአ ትእቶ በሎ።
15. ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዐጽወት። እቲ ህዝቢ ኸአ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ፡ ኣይነቐለን።
16. ድሕርቲ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት ተጓዕዘ፡ ኣብ በረኻ ጳራን ድማ ሰፈረ።

  Numbers (12/36)