| ← Numbers (12/36) → |
| 1. | ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ። |
| 2. | እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፡ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፡ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ። |
| 3. | እቲ ሰብኣይ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ። |
| 4. | ብኡብኡ ኣግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ውጹ፡ በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ። |
| 5. | እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም፡ ክልቲኦም ከአ ወጹ። |
| 6. | በሎም ድማ ዘረባይ ደአ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዩ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራኣይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ። |
| 7. | ባርያይ ሙሴስ ከማኡ ኣይኮነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን ኣዩ። |
| 8. | ብግልጺ እምበር፡ ብኸውሊ ዘረባ ኣይኮነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈረህኩም። |
| 9. | ኩራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ። |
| 10. | እቲ ደበና ኸአ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸአ፡ ሚርያም ለምጻም ኮነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ። እንሆ ኸአ ለምጻም ኮይና ነበረት። |
| 11. | ሽዑ ኣሮን ንሙሴ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ስለቲ ብዕሽነተና ዝገብርናዮን ዝበደልናዮን፡ ብጃኻ፡ ሓጢኣት ኣይተጹረና። |
| 12. | በጃኻ፡ ብምውቱ ኸም እተወልደ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኺወጽእ ከሎ ፈረቓ ስጋኡ ኸም እተወድኤ ትኹን፡ ኣይትሕደጋ በሎ። |
| 13. | ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ ኣሎኹ ኣሕውያ፡ ኢሉ ጨርሔ። |
| 14. | እግዚኣብሄር ከአ ንሙሴ፡ ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትተዐጾ፡ ደሓር ከአ ትእቶ በሎ። |
| 15. | ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዐጽወት። እቲ ህዝቢ ኸአ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ፡ ኣይነቐለን። |
| 16. | ድሕርቲ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት ተጓዕዘ፡ ኣብ በረኻ ጳራን ድማ ሰፈረ። |
| ← Numbers (12/36) → |