Numbers (11/36)  

1. እቲ ህዝቢ ድማ ከም ኣጉረምረምቲ ኾነ፡ እዚ ኸአ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮይኑ ተሰምዔ። እግዚኣብሄር ምስ ሰምዖ ድማ ኩራኡ ነደደ፡ ሓዊ እግዚኣብሄርውን ኣባታቶም ሃልሃል በለ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ ኸአ በልዖም።
2. እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፡ ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ጠፍኤ።
3. ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነደደ ድማ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ ተባህለት።
4. ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሓዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸአ፡ እንበልዖ ስጋመን ይህበና፡
5. እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝብላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጉርን ቓንጫን ቀይሕ ሽጉርትን ጻዕዳ ሽጉርትን ዘከርና።
6. ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት።
7. እቲ ማና ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፡ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ነበረ።
8. እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይአርይዎ ነበሩ፡ ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይጉድእዎ ነበሩ ጣዕሙውን ከም ዘይቲ እተገብረ ቕጫ ይጥዕም ነበረ።
9. ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዝወድእ፡ ማና ኸአ ኣብ ልዕሊኡ ወርድ ነበረ።
10. ሙሴ ድማ ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኺበኽዩ ሰምዔ። ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኮይኑ ተራእየ።
11. ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒ፡ ጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፡
12. መጉዚት ንዚጡቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቑፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ኹሉ ህዝቢ ኹሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፡
13. እናበኸዮ፡ እንበልዖ ስጋ ሀበና፡ ይብሉኒ ኣለው። ነዚ ኹሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸ፡ ከባይ ክረኽቦ እየ፡
14. እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ ክጸሮ ኣይክእልን እየ።
15. ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኮንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።
16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾነ ንስኻ እትፈልጦም፡ ሰብዓ ሰብኣይ ኣክበለይ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ውሰዶም፡ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።
17. ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፡ ኣብ ልዕሊ ኦም ከኣ ከንበር እየ፡ ንስኻ በይንኻ ኸይትጾሮ ድማ፡ ጾር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኺጾሩ እዮም።
18. ነቲ ህዝቢ ድማ በሎ፡ ንጽባሕ ተቐደሱ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም። እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፡ ኣብ ግብጺ ጽቡቅ ነበርና እናበልኩም፡ ምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኺህበኩም እዩ ኣሞ ኽትበልዑ ኢኹም።
19. ሓደ መዓልቲ ኣይኮነን ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኮነን እትበልዑ።
20. ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ እሞ ክሳዕ እትመንውዎ፡ ወርሒ ምሉእ እምበር። እዚ ኸአ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕኩምን ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻኣና፡ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኼኹምን እዩ።
21. ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዘሎኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይ እዩ፡ ንስኻ ኸአ፡ ወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኺህቦም እየ፡ ትብል ኣሎኻ።
22. ንኣታቶም ዚኣክል ጤለበጊዕን ኣሓንዶ ኺሕረድ እዩ፡ ወይ ንኣታቶም ኪልእክስ ኹሉ ዓኣ ባሕርዶ ኺእከብ ኮይኑ፡ በለ።
23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓጻር እያ፡ ሕጂ እቲ ቓላአይ ዚኾነልካ እንተ ኾይኑ ወይ ዘይኮነልካ፡ ክትርኢ ኢካ፡ በሎ።
24. ሙሴ ድማ ወጺኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ነቲ ህዝቢ ነገሮ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብኣይ ኣኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።
25. እግዚኣብሄር ከአ ብደበና ወሪዱ ንእኡ ተዛረቦ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሰደ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣንበረ። ኮነ ኸአ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዐረፈ፡ ተነበዩ፡ ግናኸ ኣይደገምዎን።
26. ክልተ ሰብኣይ ድማ፡ ስም እቲ ሓዳ ኤልዳድ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከአ ሚዳድ ዚብሀሉ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ፡ ንሳቶም ካብቶም ጽሑፋት ነበሩ፡ ናብ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፡ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዐረፈ፡ ኣብ ሰፈር ከአ ተነበዩ።
27. ሽዑ ሐደ ጎበዝ ጎየዩ፡ ኢልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ይንበዩ ኣለዉ ኢሉ ንሙሴ ነገሮ።
28. እያሱ ወዲ ነዌ፡ ካብ ንእሽቱኡ ኣገልጋሊ ሙሴ ነበረ፡ ጐይታይ ሙሴ ፡ ከልክሎም፡ ኢሉ መለሰ።
29. ሙሴ ግና፡ ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፡ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር፡ ኩሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከአ ነብያት እንተ ዝኾኑ መን ምሀበ በሎ።
30. ሙሴ ድማ፡ ንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ሰፈር ተመልሱ።
31. ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወጸ፡ ካብ ባሕሪ ኸአ ብርኒጎታት ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረደ፡ ምብራኽ ኸአ ኣብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ።
32. እቲ ህዝቢ ድማ ተንስኤ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመላኣን ለይቲ ብመላኣን፡ ንጽብሒቱን መዓልቲ ብመልኣ ብርጊጎታት ኣከበ። እቲ ዝውሓደ ዓሰርተ ሆሜር ኣከበ፡ ኣብ ዙርያ ኹሉ ሰፈር ከአ ሰጥሕወን።
33. እቲ ስጋ ገና ኣብ ኩርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸአ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም።
34. ነቶም ታፍላ ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ቐቢሮምዎም እዮም እሞ፡ እታ ቦታ እቲኣ ቂብሮትሃታኣባ ተባህለት።
35. እቶም ህዝቢ ኻብ ቂብሮትሃታኣባ ንሓጸሮት ተጓዕዙ፡ ኣብ ሓጸሮት ከአ ሰፈሩ።

  Numbers (11/36)