| ← Numbers (10/36) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 2. | ንኣኻ ክልተ መለኸት ብሩር ግበር፡ ብምቕጥቃጥ ስርሓዮ። ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ከአ ንምጉዓዝን ይኹንካ። |
| 3. | ብእኡ ምስ ዚነፍሑ፡ ብዘሎ ኣኼባ ናባኻ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይተኣከብ። |
| 4. | ብሓደ ጥራይ እንተ ነፍሑ ኸአ፡ እቶም ሹማምቲ፡ ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ ናባኻ ይተአከቡ። |
| 5. | መለኸት እንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሰፊሮም ዘለው ይንቀሉ። |
| 6. | ካልኣይ ሳዕ ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ኸአ፡ ብሸነኽ ደቡብ ሰፊሮም ዘለው ይንቀሉ። ንምንቃሎም ኣንዊሖም ይንፍሑ። |
| 7. | እቲ ኣኼባ ምስ ዚእከብ ከአ፡ ንፍሑ፡ ግናኸ ኣይተንውሕዎ። |
| 8. | እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ መለኸት ይንፍሑ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። |
| 9. | ምስቲ ዚጸቕጠኩም ጸላኢ ኽትዋግኡ ናብ ምድርኹም ምስ እትወጹ፡ ኣንዊሕኩም መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ትዝከሩ፡ ካብ ጸላእትኹም ከአ ትድሕኑ። |
| 10. | ብመዓልቲ ሓጎስኩም ብበዓላትኩምን ብመጀምርታ ኣዋርሕኩምን ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹም ከአ መዘከርታ ኪኾነልኩም እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። |
| 11. | ኮነ ድማ ካብ ካልኣይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስክር ተላዕለ። |
| 12. | ሽዑ ደቂ እስራኤል ድማ ከከም ጉዕዞኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፡ እቲ ደበና ኸአ ኣብ በረኻ ጳራን ቆመ። |
| 13. | ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ እቶም ቀዳሞት ነቐሉ። |
| 14. | ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ይሁዳ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ቅድም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ነአሶም ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ። |
| 15. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ይሳኮር ከአ ናትናኤል ወዲ ጹዓር ነበረ። |
| 16. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ሔሎን ነበረ። |
| 17. | ነቲ ማሕደር ከአ ኣወረድዎ፡ ደቂ ጌርሾንን ደቂ መራርን ድማ ነቲ ማሕደር ጾይሮም ተጓዕዙ። |
| 18. | ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ሮቤል ከአ። ከከም ሰራዊቶም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቶም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኤሊጹር ወዲ ሽደውር ነበረ። |
| 19. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስማኦን ከአ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ። |
| 20. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል ነበረ። |
| 21. | ቃሃታውያን ድማ ኣቓሑ መቕደስ ጸይሮም ተጓዕዙ፡ ክሳዕ ዚአትው ኸአ እቲኣቶም ነቲ ማሕደር ኣቖምዎ። |
| 22. | ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ድማ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ኸአ ኤሊሻማዕ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጸር ነበረ። |
| 23. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከአ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ። |
| 24. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከአ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ። |
| 25. | ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ዳን ከአ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ደጀን ኩሉ ሰፈር ኮይኑ ተጓዕዘ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ። |
| 26. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን ነበረ። |
| 27. | ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከአ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን ነበረ። |
| 28. | ጉዕዞ ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም እዚ ነበረ፡ ተጓዕዙ ድማ። |
| 29. | ሙሴ ኸአ ንሓቦብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጎዐዝ ኣሎና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኣኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ በሎ። |
| 30. | ንሱ ድማ፡ ኣይከይድን፡ ንሃገረይን ናብ ትውልደይን ደአ እኸይድ በሎ። |
| 31. | ንሱ ኸአ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና፡ ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ኣዒንቲ ኩነና። |
| 32. | ይኸውን ድማ፡ ምሳና ኣንተ ኸድካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ዚገብረልና ጽቡቕ ክንገብረልካ ኢና በለ። |
| 33. | ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከአ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎም፡ መገዲ ስለስተ መዓልቲ ቐደሞም። |
| 34. | ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ድማ፡ ደበና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። |
| 35. | ኮነ ኸአ፡ ታቦት ምስ ተላዕለ፡ ሙሴ ዋ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ ጸላእታ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸላኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ፡ ይብል ነበረ። |
| 36. | ምስ ዚሰፍር ከአ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኣኤል ተመለስ ይብል ነበረ። |
| ← Numbers (10/36) → |