Numbers (10/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንኣኻ ክልተ መለኸት ብሩር ግበር፡ ብምቕጥቃጥ ስርሓዮ። ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ከአ ንምጉዓዝን ይኹንካ።
3. ብእኡ ምስ ዚነፍሑ፡ ብዘሎ ኣኼባ ናባኻ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይተኣከብ።
4. ብሓደ ጥራይ እንተ ነፍሑ ኸአ፡ እቶም ሹማምቲ፡ ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ ናባኻ ይተአከቡ።
5. መለኸት እንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሰፊሮም ዘለው ይንቀሉ።
6. ካልኣይ ሳዕ ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ኸአ፡ ብሸነኽ ደቡብ ሰፊሮም ዘለው ይንቀሉ። ንምንቃሎም ኣንዊሖም ይንፍሑ።
7. እቲ ኣኼባ ምስ ዚእከብ ከአ፡ ንፍሑ፡ ግናኸ ኣይተንውሕዎ።
8. እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ መለኸት ይንፍሑ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም።
9. ምስቲ ዚጸቕጠኩም ጸላኢ ኽትዋግኡ ናብ ምድርኹም ምስ እትወጹ፡ ኣንዊሕኩም መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ትዝከሩ፡ ካብ ጸላእትኹም ከአ ትድሕኑ።
10. ብመዓልቲ ሓጎስኩም ብበዓላትኩምን ብመጀምርታ ኣዋርሕኩምን ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹም ከአ መዘከርታ ኪኾነልኩም እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
11. ኮነ ድማ ካብ ካልኣይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስክር ተላዕለ።
12. ሽዑ ደቂ እስራኤል ድማ ከከም ጉዕዞኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፡ እቲ ደበና ኸአ ኣብ በረኻ ጳራን ቆመ።
13. ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ እቶም ቀዳሞት ነቐሉ።
14. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ይሁዳ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ቅድም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ነአሶም ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ።
15. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ይሳኮር ከአ ናትናኤል ወዲ ጹዓር ነበረ።
16. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ሔሎን ነበረ።
17. ነቲ ማሕደር ከአ ኣወረድዎ፡ ደቂ ጌርሾንን ደቂ መራርን ድማ ነቲ ማሕደር ጾይሮም ተጓዕዙ።
18. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ሮቤል ከአ። ከከም ሰራዊቶም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቶም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኤሊጹር ወዲ ሽደውር ነበረ።
19. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስማኦን ከአ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ።
20. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል ነበረ።
21. ቃሃታውያን ድማ ኣቓሑ መቕደስ ጸይሮም ተጓዕዙ፡ ክሳዕ ዚአትው ኸአ እቲኣቶም ነቲ ማሕደር ኣቖምዎ።
22. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ድማ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ኸአ ኤሊሻማዕ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጸር ነበረ።
23. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከአ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ።
24. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከአ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ።
25. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ዳን ከአ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ደጀን ኩሉ ሰፈር ኮይኑ ተጓዕዘ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ።
26. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን ነበረ።
27. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከአ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን ነበረ።
28. ጉዕዞ ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም እዚ ነበረ፡ ተጓዕዙ ድማ።
29. ሙሴ ኸአ ንሓቦብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጎዐዝ ኣሎና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኣኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ በሎ።
30. ንሱ ድማ፡ ኣይከይድን፡ ንሃገረይን ናብ ትውልደይን ደአ እኸይድ በሎ።
31. ንሱ ኸአ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና፡ ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ኣዒንቲ ኩነና።
32. ይኸውን ድማ፡ ምሳና ኣንተ ኸድካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ዚገብረልና ጽቡቕ ክንገብረልካ ኢና በለ።
33. ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከአ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎም፡ መገዲ ስለስተ መዓልቲ ቐደሞም።
34. ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ድማ፡ ደበና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
35. ኮነ ኸአ፡ ታቦት ምስ ተላዕለ፡ ሙሴ ዋ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ ጸላእታ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸላኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ፡ ይብል ነበረ።
36. ምስ ዚሰፍር ከአ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኣኤል ተመለስ ይብል ነበረ።

  Numbers (10/36)