Numbers (1/36)  

1. ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ተባዕታይ ዘበለ ነንርእሲ ኸም ቁጽሪ ውሰድ።
3. ንስኻን ኣሮንን፡ ኣብ እስራኤል ንዘለው ኹሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ኪወጹ ዚኽእሉ በብሰራዊቶም ቁጽሮም።
4. ኣብ ማይ ቤት ኣቦታቱ ዋና ዝኸውን ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ ምሳኹም ይኹን።
5. እቶም ምሳኻትኩም ደው ዚብሉ ሰባት ድማ ስሞም እዚ እዩ፡ ካብ ሮቤል፡ ኤሉጽር ወዲ ሽዴውር።
6. ካብ ስምኦን፡ ሹሉሜኤል ወዲ ጹርሻዳይ።
7. ካብ ይሁዳ ነኣሶር ወዲ ኣሚናደብ።
8. ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል ወዲ ጹዓር።
9. ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ ወዲ ሔሎን።
10. ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ ወዲ ጰዳህጹር።
11. ካብ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ።
12. ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ።
13. ካብ ኣሴር፡ ጳግዓኒኤል ወዲ ዖክራን።
14. ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል።
15. ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን።
16. እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ፡ ሹማምቲ ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል ነበሩ።
17. ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተጸውዑ ሰባት ወሰዱ።
18. ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብቐዳማአይቲ መዓልቲ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ነንርእሲ፡ በብስሞም ተቖጺሮም ተጻሕፉ።
19. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና ቆጸሮም።
20. ወለዶ ደቂ ሮቤል በኹሪ እስራኤል፡ በብዓልቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም ተባዕትዮ፡
21. እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተቖጽሩ ኣርብዓን ሹዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
22. ወለዶ ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም ተባዕትዮ፡
23. እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።
24. ወለዶ ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
25. እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተቖጽሩ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ።
26. ወለዶ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም በብማይቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
27. እቶም ካብ ነገድ እተቖጽሩ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ኮኑ።
28. ወለዶ ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
29. እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
30. ወለዶ ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
31. እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
32. ደቂ ዮሴፍ፡ ወለዶ ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
33. እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተቑጽሩ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
34. ወለዶ ደቂ ምናሴ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
35. እቶም ነገድ ብንያም እተቖጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
36. እቶም ነገድ ብንያም እተቖጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
37. እቶም ነገድ ብንያም እተቖጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
38. ወለዶ ደቂ ዳን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቑጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
39. እቶም ካብ ነገድ ዳን እተቖጽሩ፡ ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኮነ።
40. ወለዶ ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
41. እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተቖጽሩ፡ ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮነ።
42. ወለዶ ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
43. እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
44. እቶም እተቖጽሩ፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰባት መሳፍንቲ እስራኤልን ዝቆጽርዎም እዚኣቶም እዮም።
45. እሞ ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቖጽሩ ዝኾኑ ኹሎም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡
46. እቶም እተቖጽሩ ኹሎም ሹዱሽተ ሚእትን ስለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ።
47. ሌዋውያን ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተቖጽሩን።
48. እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪብዎ ነበረ እሞ።
49. ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይተቖጽሮም፡ ቁጽሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትጸብጽቦ።
50. ንሌዋውያን ግና ንስኻ ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኣቓሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ኹሉን ኣመዝዞም ንሳቶም ነቲ ማሕደርን ንኹሉ ኣቓሑኡን ይጹሩ። ንእኡ ኸኣ ንሳቶም የገልግሉ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ።
51. እቲ ማሕደር ምስ ዚነቅል ሌዋውያን የውርድዎ። እቲ ማሕደር ምስ ዚሰፍር ከኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ጓና እንተ ቐረባ ድማ፡ ይሙት።
52. እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ሰሰንደቕ ዕላማኡ መምስ ሰራዊቶም ይስፈሩ።
53. ሌዋውያን ግና ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቁጥዓ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ። ሌዋውያን ከኣ ነቲ ማሕደር ምስክር ይሓልውዎ።
54. ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሰኢ ዝኣዘዞ ኹሉ ገበሩ።

      Numbers (1/36)