Nehemiah (9/13)  

1. ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ኩሎም ደቂ ጓኖት ተፈልዩ። ደው ኢሎም ከአ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ።
2. ኣብታ ስፍራኣኦም ኮፕይኖም ደው ኢሎም፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡ፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከአ ሰገዱሉ።
3. ኣብታ ስፍራኣኦም ኮፕይኖም ደው ኢሎም፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡ፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከአ ሰገዱሉ።
4. እያሱ፡ ባኒ፡ ቃድሚኤል፡ ሸባንያ፡ ቡኒ፡ ሸረብያ፡ ባኒ፡ ከናኒ ኾይኖም ከአ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸፍጸፍ ሌዋውያን ደው በሉ፡ ብብርቱዕ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ጨርሑ።
5. እቶም ሌዋውያን ከአ፡ እያሱ፡ ቃድሚኤል፡ ባኒ፡ ሓሻብንያ፡ ሸረብያ፡ ሆዲያ፡ ሸባንያ፡ ፈታሕያ ኾይኖም፡ ከምዚ በሉ፡ ተንሲኡ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ዘለአለም ክሳዕ ዘለአለም ባርኹ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኹ በረኸትን ምስጋናን ካብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።
6. ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኣ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኩሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ኹሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ኹሉ ብህይወት እተንብሮ ኸአ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ።
7. ኣታ ንኣብራም ዝሓሬኻ፡ ካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውጺእካ፡ ስሙ ድማ ኣብርሃም ዝሰሜኻዮ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ።
8. ልቡን ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ድማ ምድሪ ከነአናውያን፡ ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጌርጌሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ፡ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻ። ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝኾንካ ኸአ፡ ነቲ ቓልካ ኣቖምካዮ።
9. ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ርኤኻ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸአ ኣውያቶም ሰማዕካ።
10. ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኩሎም ገላውኡን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ትኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎምሲ ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻ ስም ኣስሜኻ።
11. ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሜኦም መቐልካዮ፡ ብማእከል ባሕሪ ኸአ ብንቑጽ ሐለፉ። ነቶም ዚስዕብዎም ግና ከም እምኒ ኣብ ብዙሕ ማይ ኣብቲ መዓሙቕ ደርቤኻዮም።
12. ኣብቲ ዚኸድዎ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ድማ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም።
13. ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ኸአ ወረድካ፡ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ፍርድታትን ሓቀኛ ሕጋጋትን ጽቡቕ ሕጋጋትን ትእዛዛትን ከአ ሀብካዮም።
14. እታ ቅድስቲ ሰንበትካ ድማ ኣፍለጥካዮም፡ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ከአ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም።
15. ንጥሜቶም ድማ ካብ ሰማይ እንጌራ ሀብካዮም፡ ንጽምኣቶምውን ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም። እታ ንኣታቶም ክትህቦም ኢድካ ዝዘርጋሕካላ ምድሪ ምእንቲ ኺወርስዋ ድማ ናብኣ ኺአትው ተዛረብካዮም።
16. ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዐበዩ፡ ክሳዶም ድማ ኣትረሩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን።
17. ምስማዕ ኣበዩ፡ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራት ከአ ኣይዘከሩን፡ ክሳውዶም ደአ ኣትረሩ፡ ብልዕውቶም ናብታ ባርነቶም ኪምለሱ፡ ሓላቑ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕሬታን ሰናይን መሐርን ኢኻ፡ ንኹራ ደንጓዩ፡ ብዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ ኣይሓደግካዮምን።
18. ፍሰሲ ብተይ ገይሮምሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ ኣምላኽካ እዚ እዩ፡ ምስ በሉ፡ ኣዝዮም ኣኾረዩኻ።
19. ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፡ ብመዓልቲ ንምምራሕ መገዶም ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ዚኸዱላ መገዲ ኼብርሃሎም ከአ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣይረሓቑን።
20. ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሀብካዮም። ማናኻ ኸአ ካብ ኣፎም ኣየጉደልካን፡ ንጽምኣቶም ድማ ማይ ሀብካዮም።
21. ኣብ በረኻውን ገለ ኸየጉደልካ፡ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣየእረጉን፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይሓበጠን።
22. መንግስትታት ህዝብታትን ከአ ሀብካዮም፡ ግደ ጌርካ ድማ ከፈልካዮም እሞ ምድሪ ሲሆን፡ እታ ሃገር ንጉስ ሔሽቦንን ሃገር ዖግ ንጉስ ባሳንን ወረሱ።
23. ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕካዮም፡ ናብታ ነቦታቶም ከአትውዋን ኪወርስዋን ዝበልካዮም ምድሪ ድማ ኣእቶኻዮም።
24. እቶም ደቂ ኸአ ኣተውዋ እሞ ነታ ሀገር ወረስዋ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዝደለዩ ኺገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም።
25. እተዐርዳ ኸተማታትን ረጉድ ምድርን ከአ ሐዙ። ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝመልአ ኣባይትን እተኻዕተ ሓጽብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዩ ኣእዋሞን ድማ ወረሱ እሞ በቲ ዓብዩ ለውሃትካ በልዑን ጸገቡን ስብሑን ተሓጎሱን።
26. ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮኑን ካባኻ ዐለውን፡ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደረበይዎ። ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ዝመዐድዎም ነብያትካ ቐተልዎም፡ ንኣኻውን ኣዝዮም ጸረፉኻ።
27. ስለዚ ናብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ኣጨነቕዎም። ብጊዜ ጸበቦኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ፡ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካ ኸአ ካብ ኢድ ጸላእቶም ዜድሕንዎም መድሓንቲ ሀብካዮም።
28. ዕረፍቲ ምስ ኮነሎም ግና ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከአ ኣባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ። ከም ምሕረትካ ኸአ ብዙሕ ሳዕ ኣድሓንካዮም።
29. ናብ ሕግኻ ኽተምልሶም ኢልካ ድማ መዐድካዮም። ንሳቶም ግና ተዐበዩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን፡ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ዚድሕነሉ፡ ፍርድታትካውን በደሉ፡ መንኮቦም ድማ ኣድሓርሓሩ፡ ክሳዶም ኣትሪሮም ከአ ኣይሰምዑን።
30. ብዙሕ ዓመታት ድማ ተዐገስካዮም፡ ነብያትካ ጌርካ ኸአ ብመንፈስካ መዐድካዮም፡ ኣእዛኖም ግና ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሀብካዮም።
31. ግናኸ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡ ብብዝሒ ምሕረትካ ፈጺምካ ኣይወዳእካዮምን ኣይሓደግካዮምን።
32. ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ኪዳንን ምሕረትን ኣትሕሉ፡ ዓብይን ብርቱዕን መፍርህን ኣምላኽ፡ እቲ ንኣና፡ ንነገስታትና ንሓላቑናን ንኻህናትናን ንነብያትናን ነቦታትናን ንኹሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽቶ ኾይኑ ኣይረኤኻ።
33. ንስኻስ በቲ ኣቦና ዝመጻ ኹሉ ጻድቕ ኢኻ፡ ንሓና በደልና እምበር፡ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ እሙን ኢኻ።
34. ነገስታትናን ሓላቑናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይገብሩን፡ ንትእዛዛካን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝመስከርካዮ ምስክርካን ኣይሐለውን።
35. ኣብታ መንግስቶምን ኣብቲ ብብዙሕ ለውሃትካ ዝሀብካዮምን ኣብታ ኣብ ቅድሚኦም ዝሀብካዮም ገፋሕን ረጓድን ምድርን ኣየገልገሉኻን፡ ኻብቲ ኽፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን።
36. እንሆ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፡ ኣብታ ፍሬኣን በረኸታን ኪበልዑ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብኣ ባሮት ዃንና ኣሎና።
37. እቶታ ድማ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነግስታት ተብዝሓሎም ኣላ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን እንስሳናን ከም ዝደለዮ ይገዝኡ ኣለው። ንሕና ኸአ ኣብ ዓብዩ ጸበባ ኢና ዘሎና።
38. በዚ ኹሉ ድማ ኪዳን ኣቖምና ጸሐፍናዮውን፡ ሓላቑናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከአ ሐተምዎ።

  Nehemiah (9/13)