Nehemiah (8/13)  

1. እቶም ህዝቢ ኹላቶም ከአ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ኣብ ዘላ ገፋሕ ቦታ ተአከቡ። ንእዝራ እቲ ጸሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝአዘዞ መጽሓፍ ሕጊ ሙዌ ኼምጽአሎም ተዛረብዎ።
2. ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኸአ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ኪሰምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኩላቶምን ነቲ ሕጊ ኣምጽኦ።
3. ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ኸአ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን ኬስተውዕሉ ዚኽእሉ ኹላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። ኣእዛን ኩሉ እቲ ህዝቢ ድማ ንመጽሓፍ ሕጊ ኺሰምዕ ጽን ይብል ነበረ።
4. እዝራ እቲ አሓፊ ኸአ ኣብ ልዕሊ እቲ ነዚ ነገር እተሰርሔ ጸፍጻፍ ዕጨይቲ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ ብየማኑ ድማ ማቲትየን ሸማዕን ዓናያን ኡርያን ሒልቂያን ማዓሰያን፡ ኣብ ጸጋሙ ኸአ ጰዳያን ሚሻኤልን ማልኪያን ሓሹምን ሓሽባዳናን ዘካርያን መሹላምን ደው ኢሎም ነበሩ።
5. እዝራ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ኾይኑ አነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እቲ ህዝቢ ነቲ መጽሓፍ ገንጸሎ። ምስ ገንጸሎ ኸአ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ደው በለ።
6. እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኩሎም ህዝቢ ኸአ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።
7. ድማ እያሱን ባኒን ሸረብያን ያሚን፡ ዓቁብ፡ ሻብታይ፡ ሖዲያ፡ ማዓሰያ፡ ቀሊጣ፡ ዓዛርያ፡ ዮዛባድ፡ ሓናን፡ ጵላያ፡ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ ሕጊ ይምህርዎ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቦታኦም ደዊ ኢሎም ነበሩ።
8. ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበበሎም፡ እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ፡ ገለጸሎም።
9. ኩሎም እቶም ህዝቢ ቓል ሕጊ ኺሰምዑ ኸለው። ይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ ነህምያ እቲ ትርሻታን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን፡ እቶም ህዝቢ ዜስተምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንኹሉ እቲ ህብዚ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን በልዎም።
10. ንሱ ኸአ ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑ፡ ዝጠዐመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም ዜብሎም ከአ ግዲኦም ስደድሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጎስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጉሀዩ፡ በሎም።
11. እቶም ሌዋውያን ከአ ንኹሎም እቶም ህዝቢ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ስቕ በሉ፡ ኣይትጉሀዩ፡ ኢሎም ኣህድእዎም።
12. ኩሎም እቶም ህዝቢ ድማ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞ፡ ኪበልዑን ኪሰትዩን ግዴታን ከአ ኪሰዱን ዓብዩ ሓጎስን ኪሕጎሱ ኸዱ።
13. እታ ኻልአይቲ መዓልቲ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ኹሉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ቃላት እቲ ሕጊ ኺምርምሩ ናብ እዝራ ጸሓፊ ተአከቡ።
14. ብበዓል እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኸአ ደቂ እስራኤል ካብ ዳስ ኪቕመጡ፡ ናብ ኩለን ከተማታቶምን ናብ ዮርሳሌምን ከአ፡ ናብ ከረን ውጹ እሞ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ንምስራሕ ዳስ ጨናፍር ኣውልዕ ዘይትን ፀናፍር ኦም ኣውልዕ መሮርን ጨናፍር ጸጾን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን ኣምጽኡ ኢሎም ኬስምዑን ኬእውጅይን፡ እግዚእብሄር ብሙሴ ኸም ዝአዘዞም፡ ኣብቲ ሕጊ ተጽሒፉ ረኸቡ።
15. ብበዓል እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኸአ ደቂ እስራኤል ካብ ዳስ ኪቕመጡ፡ ናብ ኩለን ከተማታቶምን ናብ ዮርሳሌምን ከአ፡ ናብ ከረን ውጹ እሞ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ንምስራሕ ዳስ ጨናፍር ኣውልዕ ዘይትን ፀናፍር ኦም ኣውልዕ መሮርን ጨናፍር ጸጾን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን ኣምጽኡ ኢሎም ኬስምዑን ኬእውጅይን፡ እግዚእብሄር ብሙሴ ኸም ዝአዘዞም፡ ኣብቲ ሕጊ ተጽሒፉ ረኸቡ።
16. ሽዑ እቶም ህዝቢ መጺኦም ኣምጽኡ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ መካበብያቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ኤፍሬምን ዳስ ሰርሑ።
17. ብዘላ እታ ማሕበር ናይቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ከአ ዳስ ሰሪሖም፡ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ደቂ እስራኤልሲ ካብ ዘመን እያሱ ወዲ ነዌ ጀኢሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኣይገበሩን እሞ፡ ኣዝዩ ዓብዩ ሓጎስ ኮነ።
18. ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ድማ መመዓልቲ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ኣንበቦ። ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዐሉ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ከምቲ ሕጊ ቅዱስ ኣኼባ ኾነ።

  Nehemiah (8/13)