Nehemiah (7/13)  

1. ኮነ ኸአ፡ እቲ መከባብያ ምስ ተነድቀ፡ መዓጹ ኣቖምኩሉ፡ ሐለውቲ ደገን ዘመርትን ሌዋውያንን ድማ ኣብ ዔዕዮኦም ተመዘዙ።
2. ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ኣብ ግምቢ ሓለቓ ዝነበረን፡ ንሱ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለጸ እሙንን ፈራህ ኣምላኽን ነበረ እሞ፡ ኣሕሉቕ ዮርሳሌም ገበርክዎም።
3. ንኣታቶም ድማ፡ ጸሓይ ክሳዕ ዚመሙቕ፡ ደጌታት ዮርሳሌም ኣይርሖ፡ እቲ ደጌታት ከአ ገና እቶም ሐለውቲ ደው ኢሎም ከለው፡ ኪዕጾን ኪሽጎርን፡ ነቶም ህዝቢ ዮርሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብታራኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከአ ቀቅድሚ ቤቱ ይሐሉ። በልክዎም።
4. እታ ኸተማ ኸአ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ማኣከላ ዚነብሩ ዝህዝቢ ግና ሒዶት ነበሩ፡ እተን ኣባይቲ ድማ ኣይተሰርሓን ነበራ።
5. ነቶም ከበርተን ንሹማምትን ንህዝብን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ኺጸሓፉ፡ ክእክቦም ድማ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ሀበኒ። ናይቶም ቅድም ዝደየቡ ኸአ እቲ መጽሓፍ ወለዶታት ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸአ ከምዚ ዚብል ጽሑፍ ረኸብኩ።
6. እቶም ደቂ ሃገር ነቡክነጸር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ፡ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳን፡ ነፍስ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ፡ እዚኣቶም እዮም፡
7. እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ዓዛርያ፡ ራዓምያ፡ ናሓማኒ፡ ሞርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጵረት፡ ቢግዋይ፡ ነሑም፡ ባዓና። ቁጽሪ ሰብ ህዝቢ እስራኤል እዚ እዩ፡
8. ደቂ ፋርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
9. ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
10. ደቂ ኣራሕ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተ።
11. ደቂ ፋሓትሞኣብ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን።
12. ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
13. ደቂ ዛቱ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
14. ደቂ ዛካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን።
15. ደቂ ቢኑኢ ሹድሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን።
16. ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
17. ደቂ ዓዝጋድ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
18. ደቂ ኣዶኒቃም ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሾብዓተን።
19. ፦ ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ስሳን ሾብዓተን፡፡
20. ደቂ ዓዲን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን።
21. ደቂ ኣጤር፡ ካብ ዓሌት ህዝቅያስ፡ ተስዓን ሾሞንተን።
22. ደቂ ሓሹም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተ።
23. ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን።
24. ደቂ ሓሪፍ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
25. ደቂ ጊብዖን ተስዓን ሓሙሽተን።
26. ሰብ ቤትልሄምን ነጦፋን ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን።
27. ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
28. ሰብ ቤትዓዝማዌት ኣርብዓን ክልተን።
29. ሰብ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።
30. ሰብ ራማህን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን።
31. ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
32. ሰብ ቤትኤልን ዓይን ሚእትን ዕስራን ሰለሰተን።
33. ደቂ ኻልአይቲ ኔቦ ሓምሳን ክልተን።
34. ደቂ ኻልኣይቲ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
35. ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።
36. ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
37. ደቂ ሎድን ሓዲድን ኣኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን።
38. ደቂ ሰናእህ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን።
39. ካህናት ድማ፡ ደቂ የዳዕያ ኻብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።
40. ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።
41. ደቂ ፈሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን።
42. ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን።
43. ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱ፡ ካብ ቃድሚኤል፡ ካብ ደቂ ሆዴዋ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን።
44. ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን።
45. ሓለውቲ ደገ፡ ደቂ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደኢቅ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቁብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ ሚእትን ሰላሳን ሾሞንተን።
46. ነቲኒም፡ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት፡
47. ደቂ ቂሮስ፡ ደቂ ሲዓ፡ ደቂ ፋዶን፡
48. ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ሻልማይ፡
49. ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር፡
50. ደቂ ረአያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ፡
51. ፦ ደቂ ጋዛም ደቂ ዑዝ ደቂ ፋሴሓ
52. ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሽሲም፡
53. ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡
54. ደቂ ባጽሊት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡
55. ድቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ፡
56. ደቂ ነጺሓ፡ ደቂ ሓጢፋ፡
57. ደቂ ገላው ሰሎሙን፡ ደቂ ሰጣይ፡ ደቂ ሶፌሬት፡ ደቂ ጰሪዳ፡
58. ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል፡
59. ደቂ ሽፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ፎክሬትሓጸባይም፡ ደቂ ኣሞን።
60. ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
61. እቶም ካብ ቴልመላሕን ካብ ቴልሓርሻን ካብ ክሩብኣዶንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ ድማ እዚኣቶም እዮም። ግናኸ ንሳቶም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ካብ እስራኤል ምዃኖም ኬፍልጡ ኣይከአሉን፡
62. ደቂ ደለያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።
63. ካብ ካህናት ከአ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ ባርዚለይ፡ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚለይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ እሞ ብስሞም እተሰምየ እዩ፡
64. እዚኣቶም መጽሓፍ ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይተረኸበን፡ ስለዚ ኻብ ክህነት ተኸልከሉ።
65. እቲ ቲርሻታ ከአ ብኡሪምን ቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚሽየም፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ፡ በሎም።
66. ኩሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ።
67. ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ እዚኣቶም ሾብዓተ ሽሕን ስለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን እዮም። ዚዝምሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም።
68. ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሹዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡
69. ኣግማል ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበርዎም።
70. ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቲ ዕዮ ህያብ ሀቡ። እቲ ቲርሻታ ነቲ መዝገብ ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓምሳ ጽዋእ፡ ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ክዳን ካህናት ሀበ።
71. ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዕስራ ሽሕ ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕን ዳታለንት ብሩርን ሀቡ።
72. እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ዝወፈይዎ ኸአ ዕስራ ሽሕን ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ስሳን ሾብዓተን ክዳን ካህናትን እዩ።
73. ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን ገሊኡ ህዝብን ነቲኒምን ኩላቶም እስራኤልን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ በጽሔት ድማ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኦም ነበሩ።

  Nehemiah (7/13)