Nehemiah (6/13)  

1. ኮነ ኸአ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ገሽም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ጸላእትናን ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕክዎ፡ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ኸአ ገለ ኸም ዘይተረፈ ምስ ሰምዑ፡ ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓጹ ኣብቲ ደጊታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።
2. ሳንባላጥን ገሸምን ከአ፡ ንሳቶም ክፉእ ኪገብሩኒ ሓሲቦም ነበሩ እሞ፡ ንዓ፡ ኣብ ጎልጎል ኦኖ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ንራኸብ፡ ኢሎም ለአኹለይ።
3. ኣነ ድማ፡ ኣነስ ዓብዩ ዕዩ እዐዩ አለኹ እሞ ክወርድ ኣይከአለንን፡ ሰልምንታይ ፡ ነቲ ዕዮ ሓዲገ ናባኻትኩም እንተ ወረድኩ፡ ንሱ ኺበኩር እዩ፡ ኢለ ለአኽኩሎም።
4. እዚ ነገር እዚ ድማ ኣርባዕተ ሳዕ ለአኹለይ። ኣነ ኸአ ንኣታቶም ከምዛ ዘረባ እዚኣ ገይረ መለስኩሎም።
5. ሽዑ ሳንባላጥ ከምዛ ነገር እዚኣ ኽፍትቲ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ፡ ሓምሳይ ጊዜ ጊልያኡ ለአኸለይ።
6. ኣብኣ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ ነበረ፡ ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፡ ጋሽሙ ኸአ ይብሎ ኣሎ። ምእንቲ እዚ ድማ መከባብያ ከም ዝደሌኻውን፡ ይብሀል ኣሎ።
7. ድማ ኣብ ዮርሳሌም ብዛዕባኻ፡ ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ፡ ኢሎም ዚእውጁ ነብያት ኣቕምካ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ ንጉስ ኪስማዕ እዩ እሞ፡ ሕጂ ንዓ፡ ብሓንሳእ ዃንና ንማኻኸር።
8. ሽዑ ኣነ፡ ካብ ልብኻ ዘንቃሕካዮ እዩ እምበር፡ እዚ ንገር እዚ ኸምዚ ንስኻ እትዛረቦ ኣይኮነን፡ ኢለ ለአኽኩሉ።
9. ከመይሲ እቲ ዕዮ ከይዕየ ኣእዳዎም ኪድኽማ እየን እሞ፡ ነቲ ዕዮ ኺሐድግዎ እዮም፡ እናበሉ ኹላቶም ኬስምብዱና ደልዮም እዮም። ሕጂ ኸአ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣእዳወይ ኣጽንዕ።
10. ኣነ ኸአ ናብ ቤት ሻማዕያ፡ ወዲ ደለያ ወዲ መሄጣብኤ፡ ኣቶኹ። ንሱ ድማ ተዓጽዩ ነበረ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ውሽጢ መቕደስ ብሓደ ንራኸብ፡ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም፡ እወ፡ ብለይቲ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ደገ ቤት መቕደስ ንዕጸዎ፡ በለኒ።
11. ኣነ ኸአ ከማይ ዝበለ ሰብኣይዶ ይሀድም፡ ከማይ ዝበለስ ምእንቲ ኺድሕን ኢሉ፡ ናብ መቕደስ ዚአቱ መን እዩ፡ ኣነስ ኣይአቱን፡ በልኩ።
12. ጦብያን ሳንባላጥን ደአ ንሱ ኼፍርሃኒ እሞ ፈርሄ ሓጢኣት ክገብርን፡ ንኣይ ክፉእ ኬውርዩለይን ኬላግጹለይን ኢሎም ዋጋ ሂቦምዎ፡ ብገንዘብ ሐቢሎምዎ፡ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ ኣስተውዐልኩ።
13. ጦብያን ሳንባላጥን ደአ ንሱ ኼፍርሃኒ እሞ ፈርሄ ሓጢኣት ክገብርን፡ ንኣይ ክፉእ ኬውርዩለይን ኬላግጹለይን ኢሎም ዋጋ ሂቦምዎ፡ ብገንዘብ ሐቢሎምዎ፡ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ ኣስተውዐልኩ።
14. ዎ ኣምላኸይ፡ ንጦብያን ንሳንባላጥን ንኖኣድያ ነብዩትን ነቶም ዝተረፉ ዚፋራርሁኒ ነብያትን ብዛዕባ እዚ ግብሮም እዚ ዘክሮም።
15. እቲ መካባብያ ኻብ ወርሒ ኤሉል በመበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ፡ ተፈጸመ።
16. ኮነ ኸአ፡ ኩሎም ጸላእትና ምስ ሰምዕዎ፡ ኣብ ዙርያና ዚነብሩ ኹሎም ህዝብታት ፈርሁ፡ እዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም እተፈጸመ ፈለጡ እሞ፡ ኣብ ኣዒንቶም ሕሊናኦም ዐረቦም።
17. በተን መዓልትታት እቲኤን እቶም ከበርተ ይሁዳ ብዙሕ ደብዳቤታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፡ ካብ ጦብያ ድማ ናባታቶም ይመጽእ ነበረ።
18. ከመይሲ ጦብያ ምስ ሸካንያ ወዲ ኣራህ ሕምነት ነበሮ፡ ዮሓናን ወዱ ኸአ ጓል መሹላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ኾይኖም ተማሓሒሎም ነበሩ።
19. ብሕያውነቱ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፡ ዘረባይ ከአ ይነግርዎ ነበሩ። ጦብያ ድማ ኬፈራርሃኒ ኢሉ፡ ደብዳቤታት ሰደደ።

  Nehemiah (6/13)