Nehemiah (4/13)  

1. ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዔ፡ ተቖጥዔን ኣዝዩ ኾረየን እሞ ንኣይሁድ ኣላገጸሎም።
2. ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ስቕ ኢልናዶ ንሕደጎም፡ ኪስውኡዶ እዮም፡ ብሓደ መዓልቲዶኸ ይውድእዎ፡ ነቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ኹምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ፡
3. ጦብያ እቶ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቕኡ ነበረ፡ ንሱ ኸአ፡ እንተ ዚሰርሕዎ እኳ፡ እቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶ፡ ኪፈርስ እዩ፡ በለ።
4. ዎ ኣምላኽና፡ ስማዕ ተናዒቕና ኢና እሞ፡ ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ንብዝበዛ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣኾርዮምኻ እዮም እሞ፡ ክፍኣቶም ከአ ኣይትሕብኣሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ።
5. እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸአ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ ኣሎ።
6. እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸአ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ ኣሎ።
7. ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ መካበብያ ዮርሳሌም ከም ዝሰለጠን፡ እቲ ፍራሳታውን ኪዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቖጥዑ።
8. ኩላቶም ሓደ ኾይኖም መጺኦም ንዮርሳሌም ኪወግኡን ኬሸብሩን ተማሓሓሉ።
9. ሽዑ ኣብ ኣምላኽና ጸሌና፡ ካባታቶም ኪሕልውና ኸአ ብመንጽሮም ለይትን መዓልትን ሓለውቲ ኣቖምና።
10. ይሁዳ ድማ፡ ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፡ እቲ መሬት ከአ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚ ንሕና መካበብያ ኽንዐዩ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ።
11. እቶም ጸላኣትና ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ክሳዕ እንኣቱ ኣይኪፈልጡን ኣይኪርእዩን እዮም፡ ሽዑ ክንቀትሎም፡ ነቲ ዕዮውም ከነትርፎ ኢና፡ በሉ።
12. ኮነ ኸአ፡ እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ኣይሁድ ምስ መጹ፡ ካብ ኩለን ቦታታት ናባና ተመለሱ፡ ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ተዛረቡና።
13. ስለዚ ኣነ ነቲ ህዝቢ ብድሕሪ መካበብያ፡ በቲ ታሕታይ ቦታ ኣብ ቃልዕ ስፍራታት በብዓሌታቶም ኣስያፎምን ኩናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ኣበልክዎም።
14. ርእየ ድማ ተንሳእኩ፡ ንኸበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ፡ ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ፡ ስለ ዝሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ፡ በልክዎም።
15. ኮነ ድማ፡ እቶም ጸላእትና እዚ ነገር እዚ ኸም እተፈለጠና፡ ኣምላኽ ከአ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ኩላትና ናብቲ መካበብያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ዕዩኡ ተመለስና።
16. ኮነ ኸአ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻክረይ ፍርቆም ነቲ ዕዮ ይዐዩ ነበሩ፡ ፍርቆም ድማ ኩናውትን ዋላቱን ቀስትታትን ድርዕታትን ሐዙ። እቶም ሓላቑ ኸአ ብድሕሪ ኹላቶም በኢት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ።
17. እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩ፡ ብሓደ ኢዶም ከአ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ።
18. እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ።
19. ንኽበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ድማ፡ እቲ ዕዮ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፡ ንሕና ኸአ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓድሕድና ርሒቕና፡ ኣብ መካበብያ ፋሕ ኢልና ኣሎና፡
20. ደሃይ መለኸት ኣብ እትሰምዑላ ቦታ፡ ናብኣ፡ ናብ ጥቓና ተአከቡ፡ ኣምላኽና ምእንታና ኪዋግኣልና ዕዮ፡ በልክዎም።
21. ከምዚ ኢልና ኣብቲ ዕዮ ንዐዮ ነበርና፡ ፍርቆም ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳዕ ክዋኽብቲ ዚወጹ፡ ኩናውቲ ሐዙ።
22. በታ ጊዜ እቲኣ ኸአ ነቶም ህዝቢ፡ ለይቲ ሓለውቲ ኪኾኑና መዓልቲ ድማ ኪዐዩስ፡ ነፍስ ወከፍ መምስ ጊልያኡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ይሕደሩ፡ በልክዎም።
23. ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዐቡኒ ዝሕልው ሰብን፡ ንሕና ኽዳውንትናን ኣየውጻእናን። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ።

  Nehemiah (4/13)