Nehemiah (3/13)  

1. ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ከአ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ኣባጊዕ ነደቕዎ ቀደስዎ ኸአ፡ መዓጹኡውን ኣቁሙሉ። ክሳዕ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ቀደስዎ።
2. ሰብ ያሪኮ ኸአ ኣልጊቦም ነደቑ። ዛኩር ወዲ ኢምሪውን ኣልጊቡ ነደቐ።
3. ደቂ ሰናኣ ድማ ደገ ዓሳ ነደቑ፡ ልዳት ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ኸአ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ድማ ገበሩሉ።
4. መሬሞት፡ ወኢ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ከአ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ። መሹላም ወዲ በረክያ፡ ወዲ መሻዛብኤል ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ።
5. ተቆዓውያን ከአ ኣልጊቦም ኣዐረዩ። እቶም ክቡራቶም ግና ክሳዶም ናብቲ ዕዮ ጎይትኦም ኣየበሉን።
6. ዮያዳ ወዲ ጳሴሓን መሹላም ወዲ ቦሳድያን ከአ ነቲ ኣረጊት ደገ ኣዐረይዎ፡ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ።
7. ምሳታቶም ድማ መላጥያ እቲ ጊብዖናውን ያዶን እቲ መሮኖታውን እቶም ሰብ ጊብዖንን ሚጽጳን ንመንበር መስፍን ክንየው ርባ ዚግዝኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ።
8. ቡዙኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ኣንጠረኛታት ወርቂ ኸአ ምስኡ፡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ሃናንያ ኻብቶም ገብርቲ ሽቱ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ንዮርሳሌም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ትኹን ሓደግዋ።
9. ረፋያ ወዲ ሁር፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ዮርሳሌም ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ጸገነ።
10. የዳያ ወዲ ሓሪማፍ ከኣ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ሓጡሽ ወዲ ሓሻብ ኒያ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ።
11. ማልኪያ ወዲ ሓሪምን ሓሹብ ወዲ ጳሓትሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግምቢ እቶንን ኣዐረዩ።
12. ሻሎም ወዲ ሃሎሔሽ፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት የሩሳሌም፡ ንሱን ኣዋልዱን ከአ ምስኡ ኣልጊቦም ኣዐረዩ።
13. ሓኑንን ኣብ ዛኖኣሕ ዚነብሩን ንደገ እቲ ለሰ ኣዐረይዎ፡ ንሳቶም ንደቕዎ፡ መዓጺኡ ድድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ። ናይቲ መካባብያ ኸአ ክሳዕ ደገ እቶ ጎዱፍ ሽሕ እመት ሰርሑ።
14. ማልክያ ወሲ ሬካብ፡ ሓላቓ ግዝኣት ቤት ሃካሬም ከአ ንደገ ጎዱፍ ኣዐየ። ንሱ ነደቖ መዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ።
15. ሻሉን ወዲ ኮልሖዜ፡ ሐለቓ ግዝኣት ሚጽጳ ድማ ንደገ ዔላ ኣዐረዮ፡ ንሱ ነደቖ ኸደኖ ኸአ፡ ንመዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበረሉ፡ ድማ መንደቕ እቲ ምስቲ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ሓጽቢ ሽላሕ፡ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዜውርድ መሳልል ሰርሔ።
16. ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፡ ሐለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቤትጹር፡ ክሳዕ መንጽር መቓብራት ዳዊትን ክሳዕ እቲ ብጥበብ እተሰርሔ ሓጽብን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ኣዐረየ።
17. ብድሕሪኡ ሌዋውያን፡ ሬሑም ወዲ ባኒ ኣዐረዮ። ምስኡ ሓሽብያ፡ ሓለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ፡ ኣብ ክንዲ ግዝኣቱ ኣዐረየ።
18. ብድሕሪኡ ኣሕዋቶም፡ ባዋይ ወዲ ሔናዳድ፡ ሓለቓ እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ ኣዐረዩ።
19. ዔዘር ወዲ የሹዓ፡ ሓለቓ ሚጽጳ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ቤት ኣቕሑ ዜደይብ፡ ኣብቲ መአዝን ኣዐረዩ።
20. ብድሕሪኡ ባሩክ ወዲ ዛባይ ካብቲ መአዝን ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ ቤት ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ኣዐረየ።
21. ብድሕሪኡ መሬሞት ወዲ ኡርያ፡ ወዲ ሃቆጽ፡ ካልእ ክፍሊ ኻብ ደገ ቤት ኤልያሺብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሺብ ኣዐረየ።
22. ብድሕሪኡ ኸአ እቶም ካህናት፡ እቶም ናይቲ ጎልጎል ሰባት ኣዐረዩ።
23. ብድሕሪኦም ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ኣዐረዩ። ብድሕሪኦም ኣዛርያ፡ ወዲ ማዓሳያ ወዲ ዓንናንያ፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣዐረየ።
24. ብድሕሪኡ ቢኑኢ ወዲ ሔናዳድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያ ኽሳዕ እቲ መኣዝንን ክሳዕ ካልእ መኣዝንን እቲ ኻብ ላዕላይ ቤት ንጉስ ውጹእ ዘሎ ግምብን ኣብ ጥቓ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ጳዳያ ወዲ ጳርዖሽ ኣዐረየ።
25. እቶም ነቲኒም ከአ ኣብ ዖፌል ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ብወገን ምብራቕን፡ ክሳዕ እቲ ውጹእ ዝነበረ ግምብን ይቕመጡ ነበሩ።
26. እቶም ነቲኒም ከአ ኣብ ዖፌል ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ብወገን ምብራቕን፡ ክሳዕ እቲ ውጹእ ዝነበረ ግምብን ይቕመጡ ነበሩ።
27. ብድሕሪኡ እቶም ተቖዓውያን ካልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ውጹእ ዓብዩ ግምብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልብ ኣዐረዩ።
28. እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ ደገ ኣፍራስ ዘሎ መመንጽር ቤቶም ኣዐረዩ።
29. ብድሕሪኦም ጻዶቅ ወዲ ኢመር ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ድማ ሽማዕያ ወዲ ሸካንያ፡ ሓላው ደገ ምብራቕ፡ ኣዐረየ።
30. ብድሕሪኡ ሃናንያ ወዲ ሸለምያን ሓኑን ሳዳይ ወጺ ጸላፍን ካልእ ክፍሊ ኣዐረዩ። ብድሕሪኡ መሹላም ወዲ በረክያ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ።
31. ብድሕሪኡ ማልክያ፡ ወዲ እቲ ኣንጠረኛ ወርቂ፡ ክሳዕ ቤት እቶም ነቲኒምን ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንጽር ደገ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መአዝን ኣዐረየ።
32. ኣንጠረኛታት ወርቅን ነጋዶን ከአ ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መአዝንን ኣብ መንጎ ደገ ኣባጊዕን ዘሎ ኣዐረዩ።

  Nehemiah (3/13)