Nehemiah (2/13)  

1. ኮነ ኸአ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ብወርሒ ኒሳን፡ ኣብ ቅድሚኡ ወይኒ ነበረ፡ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸአ፡ ንንጉስ ሀብክዎ። ቀደም ኣብ ቅድሚኡ ጉሀይ ኣይነበርኩን።
2. እቲ ንጉስ ከአ፡ ዘይሐመምካ ኽነስኻ ገጽካ ጉህዩ፡ እንታይ ዃንኪ ኢኺ፡ እዚ ኻልእ ነገር ኣይኮነን፡ ጓሂ ልቢ ደኣ እዩ በለኒ። ሽዑ ኣዝየ ፈርህኩ።
3. ንንጉስ ከአ፡ ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር፡ እታ ቤት መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ፈሪሳ፡ ደጌታታውን ብሓዊ ተወዲኤን ከለዋ ደአ፡ ከመይ ገይረ ገጸይ ዘይጽልም፡ በልክዎ።
4. እቲ ንጉስ ከአ፡ እንታይ እሞ ትደሊ፡ በለኒ። ሽዑ ኣነ ኣብ ኣምላኽ ሰማይ ጸሌኹ።
5. ንንጉስ ድማ፡ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ጊልያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደአ ኣሐጉሱካስ ነታ ኸተማ መቓብር ኣቦታተይ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ በልክዎ።
6. እቲ ንጉስ ከአ፡ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ ኸላ፡ ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካ፡ መኣዝከ ትምለስ፡ በለኒ። ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቖሪጸ ነገርክዎ፡ ኢ ነቲ ንጉስ ባህ ኣበሎ ሰደደኒ ኸአ።
7. ንንጉስ ድማ፡ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ፡ ምድሪ ይሁዳ ኽሳዕ ዝአቱ ምእንቲ ኼሕልፉኒ፡ ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሰሎ፡ ናይ ንጉስ ፈቓድ ደብዳበ ይወሀበኒ፡
8. ንኣሳፍ ሓላው ዱር ንጉስ ድማ ነታ ቤት ግምብን ደጌታትን፡ ነታ ኸተማ ኸኣአ መካበብያን ኣነ ንዝአትዋ ቤትውን ክሰርሓሉ ኣእዋም ኪህበኒ፡ ደብዳቢ ሀበኒ በልክዎ። ከምታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ዝነበረት ከአ፡ ንጉስ ሀበኒ።
9. ናብ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ ድማ መጻእኩ። እቲ ናይ ንጉስ ደብዳቤታት ከአ ሀብክዎም። እቲ ንጉስ ድማ ሓላቑ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ።
10. ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ዚሐስበሎም ሰብ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዑ፡ ዓብዩ ጓሂ ጓሀዩ።
11. ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩ፡ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥኩ።
12. ኮነ ኸአ ብለይቲ ተንሳእኩ፡ ሒደት ሰባትውን ምሳይ ነበሩ። እቲ ኣነ ንዮርሳሌም ክገብረላ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሀበኒ ኸአ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። ብዘይ እታ ኣነ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንሳሳ ኸአ ካልእ እንስሳ ኸአ ምሳይ ኣይነበራንን።
13. ብለይቲ ድማ በታ ስንጭሮ ደገ ወጻእኩ፡ ኣብ መንጽር ዔላ ገበልን ኣብ ደገ መጉሓፍን ኣቢለ ኸአ፡ እቲ ወድኣ ደጌታትን ርኤኹ።
14. ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓጽቢ ንጉስን ከአ ሐለፍኩ። እታ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ሰአንኩ።
15. ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ርባ ርባ እናደየብኩ ነቲ መካበብያ እርእዮ ነበርኩ። ተመሊሰ ድማ በታ ናይ ስንጭሮ ደገ አቶኹ፡ ከምዚ ኢለ ተመለስኩ።
16. እቶም ሓላቑ ግና ኣነ ዝኸድክዎን ኣነ እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ድማ ንኣይሁድን ንኻህናትን ንኸበርተን ንመሳፍንትን ነቶም ዝተረፉ ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩን ምንም ኣይነገርኩን።
17. ሽዑ ኣነ፡ ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ ሓሳረ መከራ ኸም ዘሎና ንስኻትኩም ትርእዩ ኣሎኹም፡ ዮርሳሌም ባዲማ፡ ደጌታታ ኸአ ብሓዊ ተወዲኤን። እምበኣርሲ ንድሕርዚ መላገጺ ኸይንኸውን፡ ንዑናይ፡ መካበብያ ዮርሳሌም ንስራሕ፡ በልክዎም።
18. እታ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ሕያወይቲ ኸም ዝኾነትን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንልዐል እሞ ንስራሕ፡ ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን።
19. ሳንባላጥ እቶ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ጌሸም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፡ ኣላገጹልና ነዐቑናን እሞ፡ እዚ ንስኻትኩም እትገብሮ ነገር እንታይ እዩ፡ ንስኻትኩምሲ ኻብ ንጉስዶ ኽትዐልዉ ትደልዩ ኣሎኹም ድማ በሉ።
20. ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ቦሮቱ ተንሲእና ኽንዐዩ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ዮርሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎም።

  Nehemiah (2/13)