Nehemiah (13/13)    

1. በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ መጽሓፍ ሙሴ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበብዎ፡ ኣብኡ ኸኣአ ዓሞናውን ሞኣባውን ንዘለአለም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ከይአቱ፡ ተጽሒፉ ተረኸበ።
2. ከመይሲ ኺረግሞም ደአ ንበላዓም ተሻየጥዎ እምበር፡ ንደቂ እስራኤል እንጌራን ማይን ሒዞም ኣይተቐብለዎምን። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ኣብ በረኸት መለሶ።
3. ኮነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ፡ ጓና ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ።
4. ቅድሚ እዚ፡ ኤልያሺብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ ኽፍልታት ቤት ኣምላኽና ተሸይሙ ዝነበረ፡ ዘመድ ጦብያ፡
5. ንሱ ንእኡ ዓብዩ እቃቤት ኣዳለወሉ፡ ቅድም ኣብኡ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣቓሑን ናይ እኸልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዕሽር፡ ማለት እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደጌታትን እተአዘዘሎምን እቲ ንኻህናት ዚለዐል መስዋእትታትን የንብሩሉ ነበሩ።
6. ኣነ ግና ብኹሉ እዚ ነገር እዚ ኣብ ዮርሳሌም ኣይነበርኩን። በመበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ንኣርታሕሻስታ ንጉስ ባቢሎን ናብ ንጉስ ደአ መጺኤ ነበርኩ። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ድማ ካብ ንጉስ ስንብታ ለመንኩ፡
7. ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩ እሞ ኤልያሺብ ኣብ ውሽጢ መካበብያ ቤት ኣምላኽ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምድላው ዝገበሮ ኽፋእ ኣስተውዐልኩ።
8. እዚ ኸአ እዝዩ ኣጉሀየኒ። ንኹሉ ኣቓሑ ቤት ጦብያ ድማ ካብቲ ኽፍሊ ቤት ንግዳም ደርቤኽዎ።
9. ነቲ ኽፍልታት ቤት ከአ ኬንጽህዎ አዘዝኩ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ድማ መሊሰ ኣብኡ ኣእቶኽዎ።
10. ንሌዋውያን ግዲኦም ከም ዘይተዋህበ፡ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዜገልግሎ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝሀደመ ፈለጥኩ።
11. ሽዑ ነቶም ዓበይቲ ገሰጽክዎም፡ ስለምታይ እዩ ቤት ኣምላኽ እተሐድገ፡ ኢለ ኸአ አኪበ ነናብ ዕዮኦም ኣቖምክዎም።
12. ሽዑ ኸአ ኩሉ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዕሽር ናብቲ መዝገብ የምጽእ ነበረ።
13. ተሓዝቲ መዝገብ ከአ ሸለምያ ኻህንን ጻዶቅ ጸሓፍን፡ ካብ ሌዋውያን ድማ ፈዳያ ኣቖምኩ። ምሳታቶም ከአ ሓናን ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ማታንያ፡ ወሰኽኩ፡ እሙናት ኮይኖም ስለ እተረኸቡ ድማ ነሕዋቶም ገግዲኦም ኬካፍልዎም ተመዘዙ።
14. ስለዚ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክረኒ፡ ኣብ ቤት ኣምላኸይን ኣብ ኣገልግሎቱን ዝገበርክዎ ለውሃተይ ከአ ኣይተጥፍእ።
15. በተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኺረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኼእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ በመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ኬምጽኡን ርኤኹ። ኣነ ኸአ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ።
16. ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዚሽየጥ ኩሉ ነገርን የምጽኡ፡ ንደቂ ይሁዳ ኸአ ብሰንበትን ኣብ ዮርሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ።
17. ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ አሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎም።
18. ኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩ፡ ኣምላኽና ድማ እዚ ኹሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚአን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ።
19. ኮነ ኸአ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኺወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኺዐጽው ኣዘዝኩ። ሰንበት ክሳዕ እተሐልፍ ከአ፡ ከይከፍቱ አዘዝኩ። ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸያአቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ።
20. ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ኹሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሐደሩ።
21. ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩም፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹን።
22. ንሌዋይውን ከአ ኪጸርዩን፡ ንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ኪመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸትይ፡ ዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ።
23. በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ።
24. እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝኾነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ።
25. ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩ፡ ጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም።
26. በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸአ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ።
27. እዚ ኹሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና።
28. ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳዕ፡ ወዲ ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሳንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገበረ። ስለዚ ኸኣአ ካባይ ሰጎጉክዎ።
29. ክህነትን ኪዳን ክህነትን ሌዋውያንን ስለ ዘርከሱ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክሮም።
30. በዚ ኸምዚ ኻብ ኩሉ ጋሻ ነገር ኣጽሬኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስራሑ ብምትሓዝ ኣቖምክዎ።
31. ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይትን ብዛዕባ በኹራትን በቲ እተመደበ ጊዜ ኪቐረብ ኣዘዝኩ።

  Nehemiah (13/13)