Nehemiah (12/13)  

1. እቶም ምስ ዙሩባቤል፡ ወዲ ሸኣልቲኤልን ምስ እያሱን ዝደየቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፡ ሰራያ፡ ኤርምያ፡ እዝራ፡
2. ኣማርያ፡ ማሉክ፡ ሓጡሽ፡
3. ሸካንያ፡ ሬሑ፡ መሬሞት፡
4. ዒዶ፡ ጊንቶይ፡ ኣቢያ፡
5. ሚያሚን፡ ማዕድያ፡ ቢልጋ፡
6. ሸማዕያ፡ ዮያሪብ፡ የዳዕያ፡
7. ሳሉ፡ ዓሞቅ፡ ሒልቂያ። የዳዕያ። እዚኣቶም ብዘመን እያሱ፡ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ሓላቑ ነበሩ።
8. ሌዋውያን ድማ፡ እያሱ፡ ቡኑኢ፡ ቃድሚኤል፡ ሸረብያ፡ ይሁዳ፡ ማታንያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን፡ መራሕቲ መዝሙር ምስጋና።
9. ኣብ መንጽሮም ድማ ኣሕዋቶም ባቅቡቅያን ዑኒን ኣብ ሐሓለዋኦም ነበሩ።
10. እያሱ ኸአ ንዮያቂም ወለደ፡ ዮያቂም ድማ ንኤልያሺብ ወለደ፡ ኤልያሺብ ከአ ንዮያዳዕ ወለደ።
11. ዮያዳዕ ድማ ንዮናታን ወለአ፡ ዮናታን ከአ ንያዱዓ ወለደ።
12. ብዘመን ዮያቂም ከአ እቶም ካህናት ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሰራያ መራያ፡ ካብ ኢርምያ ሓናንያ፡
13. ካብ እዝራ መሹላም፡ ካብ ኣማርያ ዮሓናን፡
14. ካብ መሊኩ ዮናታን፡ ካብ ሸባንያ ዮሴፍ፡
15. ካብ ሓሪም ዓድና፡ ካብ መርዮይ ሔልቃይ፡
16. ካብ ዒዶ ዘካርያስ፡ ካብ ጊንቶን መሹላም።
17. ካብ ኣቢያ ዚክሪ፡ ካብ ሚንያሚን፡ ካብ ሞዓድያ ጲልጣይ፡
18. ካብ ቢልጋ ሻሙዓ፡ ካብ ሸማዕያ ይሆናታን፡
19. ካብ ዮያሪብ ድማ ማትናይ፡ ካብ የዳዕያ ዑዚ፡
20. ካብ ሳላይ ቃላይ፡ ካብ ዓሞቅ ዔበር፡
21. ካብ ሒልቂያ ሓሻብያ፡ ካብ ይዳዕያ ንታንኤል።
22. እቶም ሌዋውያን ብዝመን ኤልያሺብን ዮያዳዕ ዮሓናን ያዱዓን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኮይኖም ተጻሕፉ፡ እቶም ካህናት ድማ ብዘመን መንግስቲ ዮርዳኖስ ብዓል ፋርስ ተጻሕፉ።
23. እቶም ደቂ ሌዊ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ኣብቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፉ።
24. ሓላቑ እቶም ሌዋውያን ከአ ሓሻብያ፡ ሸረብያ፡ እያሱ ወዲ ቃድማኤል ምስ ኣሕዋቶም ኣብ መንጽሮም ኮይኖም፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ።
25. ማታንያን ባቅቡቅያን ዓብድያ፡ መሹላም፡ ጣልሞን ዓቁብ፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ኾይኖም ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ይሕልው ነበሩ።
26. እዚኣቶም ብዘመን ዮያቂም፡ ወዲ እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን ብዘመን መስፍንን ነህምያን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን ነበሩ።
27. ብምቕዳስ እቲ መካበብያ ዮርሳሌም ድማ፡ ምእንቲ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጎስ ኪቕድስዎ፡ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኩሉ ቦታኦም ናብ ዮርሳሌም ኬምጽእዎም ደለይዎም።
28. እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮርሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተአከቡ።
29. እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮርሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተአከቡ።
30. እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ጸንዑ። ነቲ ህዝብን ንደጌታትን ነቲ ቖጽርን ከአ ኣንጽህዎ።
31. ንሓላቑ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎም። ዜመግኑ ኸአ ክልተ ዓበይቲ ታራ ኣቖምኩ፡ እቶም ሓደ ታራ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደገ መጉሓፊ ብሸነኽ የመን ከዱ።
32. ብድሕሪኦም ሆሻዕያ ኸደ፡ ሓላቑ ይሁዳ ኸአ ፈረቓኦም ከዱ፡
33. ኣዛርያን እዝራን መሹላምን፡
34. ይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን፡
35. ካብ ደቂ ኻህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካያ፡ ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ኣሳፍ።
36. ኣሕዋቱ ድማ፡ ሸማዕያን ዓዛርኤልን፡ ሚላላይ፡ ጊላላይ፡ ማዓይ፡ ንታንኤልን ይሁዳን ሓናኒን፡ ነቲ ናይ ዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ መሳርያታት ሙዚክ ሒዞም፡ እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸአ ቀቅድሚኦም ነበረ።
37. ኣብ መንጽሮም ኣብ ዘሎ ደገ እቲ ዔላ፡ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዜደይብ መሳልል፡ ኣብ ልዒ ቤት ዳዊት ዘሎ ናይ መካበብያ ዜደይብ መሳልል ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዜብል ደገ ማይ ደየቡ።
38. እቶም ካልኣይ ታራ ዜመስግኑ ኸአ ኪራኸብዎም ናብ ካልኦት ወገን ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። ኣነን ፈረቓ እቲ ህዝብን ድማ ካብ ግምቢ ኣቶም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ብልዕሊ እቲ መካበብያ ጌርና ደድሕሪኦም ከድና።
39. ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ደገ ዓሳ ብግምቢ ሃናንኤልን ብግምቢ ሜኣን ክሳዕ ደገ ኣባጊዕ ከይዶም ድማ ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ቆሙ።
40. እቶም ክልተ መስርዕ ዜመስግኑ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ ቖሙ፡ ኣነ ከአ ምስ ፈረቓ እቶም ሹማምቲ።
41. እቶም ካህናት ድማ፡ ኤልያቂም፡ ማዕሰያ፡ ሚንያሚን፡ ሚካያ፡ ኤልዮዔናይ፡ ዘካርያስ፡ ሓናንያ፡ መለኸት ሒዞም።
42. ምማዕሰያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን የሆሓናን መልክያን ዔላምን ዔዘርን። እቶም ዘመርቲ ኸአ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፡ ይዝራሕያ ኸአ መራሒኦም ነበረ።
43. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዩ መስዋእቲ ሰውኡ። ኣምላኽ ዓብዩ ሓጎስ ኣሕጎስዎም እዩ እሞ፡ ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከአ ተሓጎሱ፡ ሓጎስ ዮርሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ።
44. እቶም ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ርእዮም ተሓጎሱ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዚለዐል መስዋእትታትን በኹራትን ዕሽርን ካብ ኩሉ ማሕረስ እተን ከተማታት ከምቲ ሕጊ ግደ ኻህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዚእከቡሉ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ ዚእክቡ ዋናታት ኣቖሙ።
45. ንሳቶም ድማ ነቲ ሓለዋ ኣምላኾምን ነቲ ሓለዋ ጽሬትን ሐለው፡ እቶም ዘመርትን ሓለውትን ደጌታትን ከአ ከምኡ፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎምን ወዱን ገአብሩ።
46. ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍንሲ፡ ሓላቑ ዘመርቲ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን ነበረ።
47. ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከኣ ብዘለው እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደጊታትን ነንመዓልቲ ግዲኦም ሀብዎም። ንሌዋውያን ድማ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ሀቡ። እቶም ሌዋውያን ከአ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ሀቡ።

  Nehemiah (12/13)