Nehemiah (11/13)  

1. እቶም ሓላቑ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ከካብ ዓሰርተስ ሐሓደ ወሲዶም ናብቲ ቅድሲ ኸተማ፡ ናብ ዮርሳሌም ኬቕምጥዎም እቶም ትሽዓተ ኢድ ከአ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ኪቕመጡ ዕጭ ተዋደቑ።
2. ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ዮርሳሌም ኪቕመጡ ዝፈተው ኹሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቆም።
3. እቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ሓላቑ እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን፡ ካህናት ሌዋውያንን ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።
4. ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ፡ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዓታያ ወዲ ዑዚያ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ሸፋጥያ፡ ወዲ ማሃላልኤል፡ ካብ ደቂ ፋሬስ።
5. ድማ ማዓስያ ወዲ ብሩክ፡ ወዲ ኮልሔዜ፡ ወዲ ሓዛያ፡ ወዲ ዓዳያ፡ ወዲ ዮያሪብ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ እቲ ሹሎናዊ።
6. ኩላቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ደቂ ፋሬስ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሾምንተን ሓያላት ሰባት ነበሩ።
7. ደቂ ብንያም ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሳሉ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ዮዔድ፡ ወዲ ጳዳያ፡ ወዲ ቆላያ፡ ወዲ ማዓስያ፡ ወዲ ኢቲኤል፡ ወዲ ይሻዕያ።
8. ድሕሪኡ ኸአ ጋባይ፡ ሰላይ፡ ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሾምንተን።
9. ዮኤል ወዲ ዚክሪ ኸአ ሓላቓኦም ነበረ፡ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዮ ነበረ።
10. ካብ ካህናት ከኣ የዳዕያ ወዲ ዮያሪብ፡ ያኪን።
11. ሰራያ ወዲ ሒልቃያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓለቓ ቤት ኣምላኽ።
12. ዕዮ እቲ ቤት ዚዐዮ ኣሕዋቶም ድማ ሾሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን እዮም፡ ድማ ዓዳያ፡ ወዲ ይሮሓያ፡ ወዲ ጳላልያ፡ ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ጳሽሑር፡ ወዲ ማልኪያ፡
13. ኣሕዋቱ ኸአ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን፡ ዓማሽሳይ ወዲ ዓዛርኤል፡ ወዲ ኣሕዛይ፡ ወዲ መሸሌሞት፡ ወዲ ኢመር፡
14. ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፡ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን፡ ሐለቓኦም ድማ ዛብዲኤል፡ ወዲ ሃገዶሊሞ ነበረ።
15. ካብ ሌዋውያን ድማ ሸማዕያ ወዲ ሓሹብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ቡኒ።
16. ካብ ሓላቑ ሌዋውያን ከአ ሻብታይን ዮዛባድን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወጻኢ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ነበሩ።
17. ድማ ማታንያ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ኣሳፍ፡ ንሱ ብጸሎት ከማር መዝሙር ምስጋና ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካልኣዮ ኸአ ካብ ኣሕዋቱ፡ ባቅቡቅያ፡ ኣብዳ ወዲ ሸሙዓ ኸአ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ ይዱቱን።
18. ኩሎም ሌዋውያን ኣብታ ቅድስቲ ኸተማ ኽልተ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ።
19. ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸአ ዓቁብ፡ ጣልሞን፡ ኣሕዋቶም ድማ ንደጊታት ዚሕልው ዝነበሩ፡ ሚእትን ሰብዓን ክልተን እዮም።
20. ካብ እስራኤል ዝተረፉ ኻህናትን ሌዋውያንን ከአ ኣብ ኩለን ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ።
21. እቶም ነቲኒም ግና ኣብ ዖፌል ተቐመጡ፡ ጺሓን ጊሽጳን ከአ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲኒም ነበሩ።
22. ኡዚ ወዲ ባኒ ድማ፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካ፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ እቶም ዘመርቲ፡ ኣብ ዮርሳሌም ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ።
23. ከመይሲ ብዛዕባኦም ትእዛዝ ንጉስ ነበረ፡ ነቶም ዘመርቲውን ነንመዓልቲ ምዱብ ግዲኦም ተሰርዓሎም።
24. ጴታሕያ ወዲ መሸዛብኤል፡ ካብ ደቂ ዜራሕ ወዲ ይሁዳ ኸአ ብኹሉ ናይ ህዝቢ ነገር ምስ ንጉስ ነበረ።
25. ኣብ ኣቑሻቶምን ኣብ ማሕረሶምን ድማ ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳ ኣብ ቂርያትኣርባን ኣብ ዓድታታን ኣብ ዲቦንን ኣብ ኣድታታን ኣብ ቃብጽኤልን ኣብ ኣቑሻታን ተቐመጡ።
26. ኣብ የሹዓን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጰሌጥን፡
27. ኣብ ሓጺርሹዓልን ኣብ ብኤርሸባዕን ኣብ ዓድታታን፡
28. ኣብ ዔንሪሞንን ኣብ ጸርዓን ኣብ ያርሙትን ተቐመጡ።
29. ኣብ ዔንሪሞንን ኣብ ጸርዓን ኣብ ያርሙትን ተቐመጡ።
30. ኣብ ዛኖሓን ኣብ ዓዱላምን ኣብ ዓድታተንን፡ ኣብ ላኪሽን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ዕድታታን ካብ ብኤር ሸባዕ ክሳዕ ለሰ ሂኖም ሰፈሩ።
31. ደቂ ብንያም ከአ ካብ ጌባዕ፡ ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ዓያን ኣብ ቤትኤልን ኣብ ዓድታታን ተቐመጡ፡
32. ኣብ ዓናቶት፡ ኣብ ኖብ፡ ኣብ ዓናንያ፡
33. ኣብ ሓጾር፡ ኣብ ራማ፡ ኣብ ጊታይም፡
34. ኣብ ሓዲድ፡ ኣብ ጽቦዒም፡ ኣብ ነባላጥ፡
35. ኣብ ሎድን ኣብ ኦኖን፡ ኣብ ለሰ ጸረብትን።
36. ካብ ሌዋውያን ድማ ገለ ኣብ ይሁዳ ኻብ ዝነበሩ ኽፍልታት ምስ ብንያም ሓበሩ።

  Nehemiah (11/13)