Nehemiah (10/13)  

1. እቶም ዚሐትሙ ኸአ እዚኣቶም እዮም፡ ነህምያ፡ እቲ ቲርሻታ ወዲ ሓካልያን ጺድቂያን፡
2. ሰራያ፡ ዓዛርያ፡ ኤርምያ፡
3. ጳሽሑር፡ ኣምርያ ማልኪያ፡
4. ሓጡሽ፡ ሸባንያ፡ ማሉክ፡
5. ሓሪም፡ መሬሞት፡ ዖባድያ፡
6. ዳኒኤል፡ ጊንቶን፡ ባሩክ፡
7. መሹላም፡ ኣቢያ፡ ሚያሚን፡
8. መዓዝያ፡ ቢልጋይ፡ ሸማዕያ፡ እዚኣቶም ካህናት እዮም።
9. ሌዋውያን ከአ፡ እያሱ ወዲ ኣዛንያ ቢኑይ ካብ ደቂ ሔናዳድ፡ ቃድሚኤል፡
10. ኣሕዋቶም ድማ ሸባንያ፡ ሆድያ፡ ቀሊጣ፡ ጰላያ፡ ሓናን፡
11. ሚካ፡ ሬሖብ፡ ሓሽብያ፡
12. ዛኩር፡ ሸረብያ፡ ሸባንያ፡
13. ሆዲያ፡ ባኒ፡ በኒኑ።
14. ሓላቑ እቲ ህዝቢ፡ ጳርዖሽ፡ ጳሓትሞኣብ፡ ዔላም፡ ዘቱ፡ ባኒ፡
15. ቡኒ፡ ዓዝጋድ፡ ቤባይ፡
16. ኣዶንያ፡ ቢግዋይ ዓዲን
17. ኣጤር፡ ሕዝቂያ፡ ዓዙር፡
18. ሆዲያ፡ ሓሹም፡ ቤጻይ፡
19. ሓሪፍ፡ ዓናቶት፡ ኔባይ፡
20. ማግጲዓሽ፡ መሹላም፡ ሔዚር፡
21. መሸዛብኤል፡ ጻዶቅ፡ ያዱዓ፡
22. ጳላጥያ፡ ሓናን፡ ዓናያ፡
23. ሆሺዓ፡ ሓናንያ፡ ሓሹብ፡
24. ሃሎሔሽ፡ ጺልሓ፡ ሸቤቅ፡
25. ሬሑም፡ ሓሻብና፡ ማዓሰያ፡
26. ድማ ኣሒያ፡ ሓናን፡ ዓናን፡
27. ማሉክ ሓሪም ባዓና።
28. እቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሐለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ኹላቶምን፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኩሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም፡
29. እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኩሉ ኽሕልውን ኪገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸአ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ።
30. እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኩሉ ኽሕልውን ኪገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸአ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ።
31. እቶም ህዝብታት እታ ሃገር በብዓይነቱ ሸቕጥን እኽልን፡ ብመዓልቲ ሰነብት ኪሸጥዎ ኢሎም ዘምጽእዎ፡ በመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካባታቶም ኣይንሻየጥ በብሳብዐይቲ ዓመት ከአ እታ ምድሪ ትዕረፍ ንሕደጋ፡ ነቶም ሰብ ዕዳውን ንሕደገሎም፡ በልናል
32. ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽና፡ ንእንጌራ ምርኣይን ነቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ስናብትን ናይ ስርቂ ወርሕን ናይ ምዱባት በዓልትን ናይ ቅዱስ ነገርን ንመተዓረቒ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኹሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን በብዓመት ሲሶ ሚትቃል ክንህብ፡ ኣብ ርእስና ትእዛዝ ጸዐንና።
33. ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽና፡ ንእንጌራ ምርኣይን ነቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ስናብትን ናይ ስርቂ ወርሕን ናይ ምዱባት በዓልትን ናይ ቅዱስ ነገርን ንመተዓረቒ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኹሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን በብዓመት ሲሶ ሚትቃል ክንህብ፡ ኣብ ርእስና ትእዛዝ ጸዐንና።
34. ብዛዕባ እቲ ምውፋይ ዕጨይቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺነድድሲ፡ በብማይ ቤት ኣቦታትና ዓመት ንዓመት በብእዋኑ ንቤት ኣምላኽና ዕጨይቲ ንምምጻእ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ንህዝብን ዕጭ ኣውደቕናሎም።
35. በኹራት ፍረ ምድርናን በኹራት ኩሉ ፍረ ናይ ኩሉ ዓይነት ኣግራብናን በብዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከነምጽእ፡
36. ከምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ፡ በኹሪ ደቅናን እንስሳናን በኹሪ ኣሓናን ኣባጊዕናን ናብቶም ቤት ኣምላኽና ነምጽእ።
37. ቀዳማይ ብሑቕናን ዚለዐል ሞባእናን ፍረ ኹሉ ዓይነት ኣግራብን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ንኻህናት ናብ ክፍልታት ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ናይ ምድርና ዕሽር ከአ ንሌዋውያን ነምጽእ፡ ንሳቶም ሌዋውያን፡ ካብ ኩሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዕሽር ይውሰዱ።
38. ሌዋውያን ዕሽር ኪወስዱ ኸለው ድማ፡ ብሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፡ ምስቶም ሌዋውያን ይኹን። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዕሽር ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቲ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ የእትው።
39. እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከአ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዚልዐል መስዋእቲ ናብቲ ኽፍልታት እዮም ዜምጽእዎ፡ ኣብኡ ኸአ እቲ ኣቓሑ መቕደስን እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን እዮም ዘለው። እምበአርሲ ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንሕደግ።

  Nehemiah (10/13)