Nahum (2/3)  

1. ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምን፡ ንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎን፡ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኽብረት እስራኤል፡ ንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ፡ እሞ፡ እቲ መብረሲ ይድይበካ አሎ፡ ነቲ ዕርዲ ሐልዎ፡ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎ፡ ሕቆኻ ኣደልድሎ፡ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ።
2. ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምን፡ ንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎን፡ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኽብረት እስራኤል፡ ንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ፡ እሞ፡ እቲ መብረሲ ይድይበካ አሎ፡ ነቲ ዕርዲ ሐልዎ፡ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎ፡ ሕቆኻ ኣደልድሎ፡ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ።
3. እቲ ዋልታ ሓያላቱ ቖሔ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰብ ቀይሕ ተኸድኑ፡ በታ መዓልቲ ምድላው ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ እቲ ዛብያታት ይንብጥበጥ።
4. እተን ሰረገላታት ኣብ መገዲ ብናህሪ ይኸዳ፡ ኣብ ኣደባባያት ይጋጨዋ፡ ትራኢተን ከም ሃልሃልታ እዩ፡ ከም መባርቕ ድማ ይጎያ።
5. ንኸበርቴታቱ ይዝክር፡ ኪኸዱ ኸለው ይዕንቀፉ፡ ናብ መካበብያኣ ኣቢሎም ይቕልጥፉ፡ መጸግዒ ድማ ተዳለወ።
6. ደጊታት ወሓይዝ ይኽፈት፡ እቲ ኣዳራሽ ከአ ይመክኽ።
7. ክውን እዩ፡ ጥራይ ኮይና ተማረኸት፡ ኣግራዳ ድማ ኣፍልበን እናወቕዓ ብደሃይ ርግቢ ዋይዋይ ይብላ አለዋ።
8. ነነዌ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኸም ማይ ዝመልኤ ሓጽቢ ነበረት፡ ግናኸ ሀደሙ። ደው በሉ፡ ደው በሉ፡ በልዎም፡ ግልብጥ ዝበለ ግና የልቦን።
9. እቲ መዝገብ ድልቢ፡ ኣብ በብዓይነቱ ዘሎ ኽቡር ኣቓሑ፡ ታእላው የብሉን እሞ፡ ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ።
10. ባዶን ጥራያን ኮነት ባደመት፡ ልቢ መኸኸ ኣብራኽ ከአ ራዕራዕ በለ፡ ኩሉ ሕቖ ሐመመ፡ ገጽ ኩሎምውን ጸለመ።
11. እቲ ሽደናት ዚበልዑሉ፡ ኣንበሳን ዋዕሮን ኮራኩር ኣንበሳን ድማ መፍርሂ ዜብሎም ኮይኖም ዚዛወሩሉ ቦታ ኣናብስ ኣበይ አሎ፡
12. ኣነበሳ ንኹራኹራ ዚኣኽሎም ዘረፈ፡ ንዋዕሮታቱ ኸአ ሐነቐለን፡ ብዓትታቱ ብግዳዩ፡ ጎድጉዱ ኸአ ብዝዘረፎ መልአ።
13. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እኔኹ ኣብ ልዕሌኺ እየ፡ ንዓረብያታታ ኣንዲደ ኽትክኾ እየ። ነቶም ኩረኩር ኣናብስኪ ሰይፊ ኺውሕጦም እዩ፡ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድምጺ ልኡኻትኪ ኣይሰማዕን እዩ፡ ይብል አሎ።

  Nahum (2/3)