| Nahum (1/3) → |
| 1. | ጾር ነነዌ። መጽሓፍ ራእይ ናሆም ኣልቆሻዊ። |
| 2. | እግዚኣብሄርሲ ቕንእን ፈዳይ ሕን ኣምላኽ እዩ፡ እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቁጥዓ ዝመልኤን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮም፡ ንጸላእቱ ኸአ ይቕየሞም። |
| 3. | እግዚኣብሄር ንኩራ ደንጓይን ብዓል ዓብዩ ሓይልን እዩ፡ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቆጽሮን፡ እግዚኣብሄር ብሸምቦባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፡ ደበና ኸአ ተጎጓ ኣእጋሩ እዩ። |
| 4. | ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፡ ንኹሉ ርባታት የንጽፎ፡ ብሳንን ቀሜሎስን ጸምለው፡ ዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ። |
| 5. | ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ፡ ኩርባታት ከአ ይመኩ፡ ምድርን ዓለምን ኣብኡ ዚነብሩ ኹላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ። |
| 6. | ኣብ ቅድሚ ኹራኡ ደው ዚብል መን እዩ፡ ኣብ ረስኒ ቑጥዓኡስ መን ይቐውም፡ ነድሩ ኸም ሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ። |
| 7. | እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቆቡ ድማ ይፈልጦም እዩ። |
| 8. | ንሱ ነቲ ቦታኣ ብዚድምስስ ውሒዝ ጥራስ ኬጥፍኦ እዩ፡ ንጸላእቱ ኸአ ናብ ጸልማት ኪሰጎም እዩ። |
| 9. | ኣንጻር እግዚኣብሄር እንታይ ትሐስቡ፡ ንሱስ ብጥራስ ኬጥፍእ እዩ፡ ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ። |
| 10. | ምንም እኳ ኸም እሾኹ እንተ ተተናነጎ፡ ብወይኖምውን እንተ ሰኸሩ፡ ከም ንቑጽ ብርዒ ብጥራስ ሞኹ ኪብሉ እዮም። |
| 11. | እቲ ንእግዚኣብሄር እከይ ዚሐስበሉ፡ ሕሰም ከኣ ዚመኽረሉ፡ ካባኻ ወጸ። |
| 12. | እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓትን ኣንተ ኾኑ፡ ኪዕጸዱ እዮም፡ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ። ኣነ ኣጨነቕኩኻ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣይከጨንቐካን እየ። |
| 13. | ሕጂ ድማ ኣርዑት ኻባኻ ኽሰብር እየ፡ ንማእሰሪታትካ ኸአ ክበታትኾ ኣየ። |
| 14. | እግዚኣብሄር፡ ድሕርዚ ኻብ ስምካ ኣይዘራእ፡ ኣነ ነቲ ቕሩጽ ምስልን ነቲ ፍሱስ ምስልን ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኸጥፍኦ እየ፡ እተነዐቕ ኢኻ እሞ፡ መቓብር ክገብረልካ ኣየ፡ ኢሉ ብዛዕባኻ አዘዘ። |
| 15. | እንሆ፡ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ከአ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን አለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይኪሐልፍን ብጥራስ ከአ ጸኒቱ እዩ እሞ፡ ዎ፡ ይሁዳ፡ በዓላትካ ኣብዕል፡ መብጽዓኻ ፈጽም። |
| Nahum (1/3) → |