Nahum (1/3)  

1. ጾር ነነዌ። መጽሓፍ ራእይ ናሆም ኣልቆሻዊ።
2. እግዚኣብሄርሲ ቕንእን ፈዳይ ሕን ኣምላኽ እዩ፡ እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቁጥዓ ዝመልኤን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮም፡ ንጸላእቱ ኸአ ይቕየሞም።
3. እግዚኣብሄር ንኩራ ደንጓይን ብዓል ዓብዩ ሓይልን እዩ፡ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቆጽሮን፡ እግዚኣብሄር ብሸምቦባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፡ ደበና ኸአ ተጎጓ ኣእጋሩ እዩ።
4. ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፡ ንኹሉ ርባታት የንጽፎ፡ ብሳንን ቀሜሎስን ጸምለው፡ ዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ።
5. ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ፡ ኩርባታት ከአ ይመኩ፡ ምድርን ዓለምን ኣብኡ ዚነብሩ ኹላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ።
6. ኣብ ቅድሚ ኹራኡ ደው ዚብል መን እዩ፡ ኣብ ረስኒ ቑጥዓኡስ መን ይቐውም፡ ነድሩ ኸም ሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ።
7. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቆቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።
8. ንሱ ነቲ ቦታኣ ብዚድምስስ ውሒዝ ጥራስ ኬጥፍኦ እዩ፡ ንጸላእቱ ኸአ ናብ ጸልማት ኪሰጎም እዩ።
9. ኣንጻር እግዚኣብሄር እንታይ ትሐስቡ፡ ንሱስ ብጥራስ ኬጥፍእ እዩ፡ ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ።
10. ምንም እኳ ኸም እሾኹ እንተ ተተናነጎ፡ ብወይኖምውን እንተ ሰኸሩ፡ ከም ንቑጽ ብርዒ ብጥራስ ሞኹ ኪብሉ እዮም።
11. እቲ ንእግዚኣብሄር እከይ ዚሐስበሉ፡ ሕሰም ከኣ ዚመኽረሉ፡ ካባኻ ወጸ።
12. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓትን ኣንተ ኾኑ፡ ኪዕጸዱ እዮም፡ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ። ኣነ ኣጨነቕኩኻ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣይከጨንቐካን እየ።
13. ሕጂ ድማ ኣርዑት ኻባኻ ኽሰብር እየ፡ ንማእሰሪታትካ ኸአ ክበታትኾ ኣየ።
14. እግዚኣብሄር፡ ድሕርዚ ኻብ ስምካ ኣይዘራእ፡ ኣነ ነቲ ቕሩጽ ምስልን ነቲ ፍሱስ ምስልን ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኸጥፍኦ እየ፡ እተነዐቕ ኢኻ እሞ፡ መቓብር ክገብረልካ ኣየ፡ ኢሉ ብዛዕባኻ አዘዘ።
15. እንሆ፡ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ከአ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን አለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይኪሐልፍን ብጥራስ ከአ ጸኒቱ እዩ እሞ፡ ዎ፡ ይሁዳ፡ በዓላትካ ኣብዕል፡ መብጽዓኻ ፈጽም።

      Nahum (1/3)