Micah (7/7)    

1. ኣነ ኸምቲ ፍረ ቐውዒ ተቐንጠበን ከምቲ ድሕሪ ምብታኽ ወይኒ ቐሪም ምስ ተቐረመን፡ ዚብላዕ ዘለላ ዜብለይ ኮይነ እየ እሞ፡ ወይለይ፡ እታ ነፍሰይ እተተምነየታ በኹሪ ጠፍኤ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን። ኹላቶም ብደም የድብዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓው ብመርበብ ይሀድኖ።
2. ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሀቡኒ ይብሉ ፈራዲ ኸአ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዩውን ሀርፉን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጎንጉኑ፡
3. ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሀቡኒ ይብሉ ፈራዲ ኸአ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዩውን ሀርፉን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጎንጉኑ፡
4. እቲ ኻባታቶም ዝሔሸ ኸም ተኾርባ እዩ፡ እታ ዝቐንዔ ኸአ ኻብ ሓጹር እሾኹ ይገድድ፡ እታ መዓልቲ ሐለስትኻ እታ መዓትካ መጸት ሕጂ ኺሽበሩ እዮም።
5. ወዲ ነቦኡ ይንዕቕ፡ ጓል ኣብ ልዒ ኣዲኣ፡ መርዓት ከአ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ይለዐላ፡ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኾይኖም እዮም እሞ፡ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፡ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቑፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ።
6. ወዲ ነቦኡ ይንዕቕ፡ ጓል ኣብ ልዒ ኣዲኣ፡ መርዓት ከአ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ይለዐላ፡ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኾይኖም እዮም እሞ፡ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፡ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቑፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ።
7. ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋይ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።
8. ኣቲ ጸላኢተይ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ እየ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩውን፡ እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፡ ብኣይ ኣይትተሐጎሲ።
9. እግዚኣብሄር፡ በዲለዮ እየ እሞ፡ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚሕዘለይ ፍትሒውን ክሳዕ ዜውጽአለይ፡ ንቑጥዓኡ ኽጽመሞ እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዪ፡ ጽድቁውን ክርኢ እየ።
10. ሽዑ እታ፡ ኣበይ አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝበለትኒ ጸላኢተይ ክትርእዩን ሓፍረት ክትክደንን እያ፡ ኣዒንተይ ክርእያኣ እየን፡ ሕጂ ኸም ጭቃ መገዲ ኽትርገጽ እያ።
11. እታ መካባብያኺ እትስርሓላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዶብ ኪርሕቕ እዩ።
12. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን ካብ ከተማታት ግብጽን ካብ ግብጺ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ፡ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብ ከረንውን ክሳዕ ከረን ናባኺ ኺመጹ እዮም።
13. እታ ሀገር ግና ብምኽንያት እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ብሰሪ ፍረ ግብሮምን ክትባድም እያ።
14. ህዝብኻ፡ ነታ ኣብ ዱር፡ ኣብ ማእከል ቀርሜሎስ ንበይና እትነብር ዘላ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓሲ። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ኣብ ባሳንን ኣብ ጊልዓድን ጓስዮ።
15. ከምቲ በተን ካብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልትታት፡ ተኣምራት ክርእዮም እየ።
16. ኣህዛብ ኪርእዩ፡ ብሓይሎም ዘበለ ኹሉውን ኪሐርኩ እዮም፡ ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ፡ ኣእዛኖም ኪጸሙ። ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ፡ ኣእዛኖም ኪጸሙ እዮም።
17. ከም ተመን ሓመድ ኪልሕሱ፡ ከምለመምታ ምድሪ እናንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ኪወጹ ራዕራዕ እነበሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺመጹ፡ ንኣኻውን ኪፈርሁ እዮም።
18. ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ ኣበሳ ዚሐድግ፡ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዚሕልፍ መን እዩ፡ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ኩራኡ ንዘለአለም ኣይዐቁርን።
19. መሊሱ ይርሕርሓልና፡ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቑ ባሕሪ ትድርበዩ።
20. ነቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፡ ሓቂ ንያእቆብ፡ ምሕረት ከአ ንኣብርሃም ክትገብረሎም ኢኻ።

  Micah (7/7)