← Micah (5/7) → |
1. | ኣቲ ጓል ጭፍራ፡ ጭፍራኺ ኣክቢ፡ ብኽቢ ይኸቡና፡ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጉርቱ ይወቕዕዎ። |
2. | ግናኸ፡ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነአስኪ ቤትልሄም ኤፍራታ፡ እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለአለም ዝኾነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኽመጸለይ እዩ። |
3. | ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣሕዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም። |
4. | ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ኪቐውምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዩ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም። |
5. | ንሱ ሰላም ኪኸውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ኣዳራሽና ኸአ ምስ ረገጸ፡ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኽነተንስኣሉ ኢና። |
6. | ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፡ ንሃገር ኒምሮድ ከአ ኣብ ደጌታት ኼጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፡ ካብቲ ኣሶራዊ ኼናግፈና እዩ። |
7. | እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ፡ በደቂ ሰብ ከአ ተስፋ ዘይገብር፡ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፡ ከም ካፉ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ። |
8. | እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል ኣባጊዕ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኺሐልፍ ከሎ፡ ይረጋግጽን ይሰላልዕን፡ ዜናግፎ ድማ የልቦን። |
9. | ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፡ ኩሎም ጸላእትኻውን ይጽነቱ። |
10. | እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ነፍራሳ ኻብ ማእከልካ ኸጥፍኦም፡ ንሰረገላታትካ ኸአ ክሰባብሮ እየ። |
11. | ንኸተማታት ሃገርካ ኼጥፍኤን፡ ንኹሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ። |
12. | ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፡ ጠንቆልቲ ኸአ ኣይክህልውኻን እዮም። |
13. | ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድሕርዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ይክትሰግደሉን ኢኻ። |
14. | ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኺምንቆሰን፡ ንኸተማታትካ ኸአ ከፍርሰን እየ። |
15. | ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቑጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ። |
← Micah (5/7) → |