Micah (5/7)  

1. ኣቲ ጓል ጭፍራ፡ ጭፍራኺ ኣክቢ፡ ብኽቢ ይኸቡና፡ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጉርቱ ይወቕዕዎ።
2. ግናኸ፡ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነአስኪ ቤትልሄም ኤፍራታ፡ እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለአለም ዝኾነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኽመጸለይ እዩ።
3. ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣሕዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም።
4. ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ኪቐውምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዩ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም።
5. ንሱ ሰላም ኪኸውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ኣዳራሽና ኸአ ምስ ረገጸ፡ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኽነተንስኣሉ ኢና።
6. ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፡ ንሃገር ኒምሮድ ከአ ኣብ ደጌታት ኼጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፡ ካብቲ ኣሶራዊ ኼናግፈና እዩ።
7. እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ፡ በደቂ ሰብ ከአ ተስፋ ዘይገብር፡ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፡ ከም ካፉ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ።
8. እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል ኣባጊዕ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኺሐልፍ ከሎ፡ ይረጋግጽን ይሰላልዕን፡ ዜናግፎ ድማ የልቦን።
9. ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፡ ኩሎም ጸላእትኻውን ይጽነቱ።
10. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ነፍራሳ ኻብ ማእከልካ ኸጥፍኦም፡ ንሰረገላታትካ ኸአ ክሰባብሮ እየ።
11. ንኸተማታት ሃገርካ ኼጥፍኤን፡ ንኹሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ።
12. ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፡ ጠንቆልቲ ኸአ ኣይክህልውኻን እዮም።
13. ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድሕርዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ይክትሰግደሉን ኢኻ።
14. ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኺምንቆሰን፡ ንኸተማታትካ ኸአ ከፍርሰን እየ።
15. ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቑጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።

  Micah (5/7)