Micah (3/7)  

1. ኣነ በልኩ፡ ኣቱም ኣሕሉቕ ያቕቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ ስምዑ ኾታ፡ ፍርድ ምፍላጥሲ ኣባኻትኩምዶ ኣይኮነን፡
2. ሰናይ እትጸልኡ፡ እከይ ከአ እትፈትው፡ ቁርበቶም እትቐልጥዎም፡ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም፡ ዓጻጽምቶም እትሰብሩ፡ ከምቲ ኣብ ቁራዕ፡ ናብ ድስቲ ዜቱ ስጋ እትቑራርጽዎ ኢኹም።
3. ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፡ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፡ ከምቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም፡ ገጹ ኻብኦም ኪሐብእ እዩ።
4. ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፡ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፡ ከምቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም፡ ገጹ ኻብኦም ኪሐብእ እዩ።
5. እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዚስሕቱስ በስናኖም ዚነኽሱ፡ ሰላም ዝእውጁ፡ ነቲ ናብ ኣፎም ገለ ዘይህቦም ድማ ውግእ ዜዳልውሉ ነብያት ከምዚ ይብል አሎ።
6. ስለዚ ኣብ ክንዲ ራእይስ ለይቲ፡ ኣብ ክንዲ ጥንቋላ ኸኣ ጸልማት ኪኾነኩም እዩ። ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ነብያት ትዐርብ፡ መዓልቲ ድማ ትጽምልቶም።
7. እቶም ራእይ ዚርእዩ ኽንውሩ፡ እቶኦም ጠንቆልቲ ኸአ ኪሐንኩ እዮም፡ ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፡ ኩላቶም ጭሕሞም ኪኸድኑ እዮም።
8. ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፡ ንእስራኤል ከአ ሐጢአቱ ኽነግሮስ፡ በመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይልን ፍርድን ትብዓትን መሊኤ አለኹ።
9. ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንዮርሳሌም ከአ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ኾታ ስምዑ፡
10. ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንዮርሳሌም ከአ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ኾታ ስምዑ፡
11. ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፡ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፡ ምስናይ እዚ ኸአ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኮነን፡ መዓት ኣይወርደናን እዩ፡ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ።
12. ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ ዮርሳሌም ከአ ኩምራ ኣእማን ክትከውን፡ ደብሪ እታ ቤትውን ኩርባ ዱር ኪኸውን እዩ።

  Micah (3/7)