Matthew (9/28)  

1. ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ።
2. እንሆ ኸኣ፡ መጸጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደየ፡ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ።
3. እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ ኣሎ፡ በሉ።
4. የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ ኣሎኹም፧
5. ኣየናይ ይቐልል፧ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧
6. ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ።
7. ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ።
8. እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ።
9. የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ።
10. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጡ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።
11. ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውቲን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም።
12. የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን።
13. ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም።
14. ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጾሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ።
15. የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጒህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ።
16. ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን።
17. ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ።
18. እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጸ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ፡ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ።
19. የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ።
20. እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት።
21. እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት።
22. የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት።
23. የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረኣየ፡
24. እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ።
25. እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሐዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስኤት።
26. ኣብ ኲላ እታ ሃገርውን ወሪኣ ወጸ።
27. የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ክልተ ዕውራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ሰዐብዎ።
28. ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕውራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ።
29. ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ።
30. ኣዒንቶምውን ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም።
31. ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኲላ እታ ሃገር ኣውረዩ።
32. ንሳቶም ምስ ወጹ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሐደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ።
33. እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ።
34. ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም ኣሎ፡ በሉ።
35. የሱስ ኣብ ኲሉ ኸተማታትን ኣብ ኲሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።
36. ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም።
37. ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።
38. ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።

  Matthew (9/28)