| ← Matthew (8/28) → |
| 1. | ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። |
| 2. | እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሀኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ። |
| 3. | ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ። |
| 4. | የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ንኣታቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ። |
| 5. | ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጹኡ፡ ጐይታይ፡ ቈልዓይ መጽጒዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ ኣሎ፡ እናበለ ለመኖ። |
| 6. | ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጹኡ፡ ጐይታይ፡ ቈልዓይ መጽጒዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ ኣሎ፡ እናበለ ለመኖ። |
| 7. | የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ። |
| 8. | እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቅዕን እየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ። |
| 9. | ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። |
| 10. | የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 11. | ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። |
| 12. | ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 13. | የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ኸኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ። |
| 14. | የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ። |
| 15. | ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ። |
| 16. | ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኲሎም ድማ ኣሕወዮም። |
| 17. | ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኲሎም ድማ ኣሕወዮም። |
| 18. | የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ። |
| 19. | ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ፡ በሎ። |
| 20. | የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ ኣለወን፡ ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ። |
| 21. | ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። |
| 22. | የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምውታትሲ ምውታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ። |
| 23. | ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ። |
| 24. | እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። |
| 25. | ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። |
| 26. | ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ። |
| 27. | እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። |
| 28. | ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ክልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ። |
| 29. | እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፡ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ። |
| 30. | ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። |
| 31. | እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጽኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ። |
| 32. | ንሱ ኸኣ፡ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኲምም በለ። |
| 33. | እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ዂሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዎምን ከኣ ኣውረዩ። |
| 34. | እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ። |
| ← Matthew (8/28) → |