| ← Matthew (4/28) → |
| 1. | ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። |
| 2. | ኣርብዓ መዓልትን ኣብርዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። |
| 3. | እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። |
| 4. | የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኲሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 5. | ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ። |
| 6. | እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። |
| 7. | የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ ኣሎ፡ በሎ። |
| 8. | ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኲላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ፡ |
| 9. | ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዂሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። |
| 10. | ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። |
| 11. | ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ። |
| 12. | የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ፡ ናብ ገሊላ ድሕር በለ። |
| 13. | ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ናሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። |
| 14. | እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ |
| 15. | ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ |
| 16. | ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። |
| 17. | የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግሰተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ። |
| 18. | ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓውን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ። |
| 19. | የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። |
| 20. | ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዐብዎ። |
| 21. | ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም። |
| 22. | ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ። |
| 23. | የሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዂሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። |
| 24. | ወሪኡውን ኣብ ኲላ ሶርያ ወጸ። ንዂሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለውዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጒዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። |
| 25. | ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ። |
| ← Matthew (4/28) → |