Matthew (3/28)  

1. በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ።
2. በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ።
3. እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።
4. ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጒሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቚኡ ድማ ፈልቊ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ።
5. ሽዑ የሩሳሌም ኲላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ወጸት።
6. ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
7. ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረኣየ ግና በሎም፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም፧
8. እምብኣርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ።
9. ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
10. ካብ ሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጒንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምብኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
11. ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጽወር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።
12. ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ ኣለዎ፡ ስርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።
13. ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ።
14. ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ።
15. የሱስ ከኣ፡ ኲሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ።
16. የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ።
17. እንሆ ድማ፡ ብእኡ ዝሰመርዱ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።

  Matthew (3/28)