Matthew (27/28)  

1. ምስ ወግሔ፡ ኲሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ትማኸሩ።
2. ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ።
3. ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሓዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕልፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ በልዎ።
4. ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሓዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕልፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ በልዎ።
5. ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ።
6. ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ።
7. ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ።
8. ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ።
9. እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ፡ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ።
10. እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ፡ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ።
11. የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ በሎ።
12. ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን።
13. ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧ በሎ።
14. እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን።
15. እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም።
16. ሽዑ በርባን ዚብሀል ውሩይ ተኣሲሩ ነበረ።
17. ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም።
18. ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም።
19. ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሉኡ መከራ ረኺቡኒ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ።
20. እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም።
21. እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ከትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም።
22. ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምብኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኲሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ።
23. እቲ ሹም፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ።
24. ጲላጦስ ዘይምዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ።
25. ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ።
26. ሽዑ ንባርባን ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም።
27. ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ።
28. ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ።
29. ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጹሉ።
30. ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ።
31. ምስ ኣላገጹሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኡ ኸደንዎ፡ ኪሰቕልዎውን ወሰድዎ።
32. ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ።
33. ጐልጎልታ ኣብ እትብሀል ቦታ፡ ትርጓሜኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ።
34. ምስ ሓሞት እተሖሰ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ።
35. ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ።
36. ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ።
37. እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ።
38. ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ።
39. ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
40. ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
41. ከምኡ ድማ ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ምስ ጸሓትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም፡
42. ንኻልኦት ኣድሐኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከኣለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን።
43. ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ።
44. እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
45. ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ።
46. ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ።
47. ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ።
48. ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ።
49. ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ።
50. የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት።
51. እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሉ ኽሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ።
52. መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ።
53. ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንቡዙሓት ከኣ ተራእዩ።
54. እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ።
55. ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን።
56. ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ኣደ ዘብዴዎስውን ነበራ።
57. ምስ መሰየ ድማ። ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ።
58. ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ።
59. የሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ።
60. ንርእሹ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ።
61. ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።
62. ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም።
63. ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና።
64. ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ።
65. ጲላጦስ፡ ሓለውቲ እነውልኩም፡ ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉ፡ በሎም።
66. ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ።

  Matthew (27/28)