Matthew (26/28)  

1. ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ዂሉ ምስ ወድኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡
2. ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪሰቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም።
3. ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዚብሀል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ።
4. ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ድማ ተማኸሩ።
5. ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።
6. የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡
7. ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መአዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።
8. ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧
9. ንብዙሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ።
10. የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፡
11. ድኻታትሲ ዂሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኲሉ ግዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን።
12. እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ።
13. እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኽም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
14. ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሀል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይሁ፡
15. ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሌ ኽህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ።
16. ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
17. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ።
18. ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኺዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኸፋስግ፡ ይልብ ኣሎ መምህር፡ በልዎ።
19. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ የሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ኣስጋውን ኣዳለዉ።
20. ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
21. ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸምዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
22. ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሀዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ።
23. መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ።
24. ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ።
25. እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ፡ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ።
26. ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም።
27. ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዂልኹም ስተዩ።
28. ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዂልኹም ስተዩ።
29. ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
30. መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።
31. ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።
32. ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም።
33. ጴጥሮስ ከኣ፡ ኲሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።
34. የሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
35. ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኲላቶም ከምኡ በሉ።
36. ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም።
37. ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጒህን ኪትክዝን ጀመረ።
38. ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጒህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም።
39. ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።
40. ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧
41. ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።
42. ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኸሐልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ።
43. ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም።
44. ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ።
45. ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ።
46. ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም።
47. እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ።
48. እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ ኢ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ኢሉ ምልክት ሀቦም።
49. ብኡብኡ ናብ ይሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ።
50. የሱስ፡ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሐዝዎ።
51. እንሆ፡ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፊ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ።
52. ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዂሎ ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ።
53. ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእክቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ ኣሎ፧
54. ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧
55. ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጽእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሐዝኩምንን።
56. እዚ ዂሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዂሎም ሓዲጎምዎ ሀደሙ።
57. እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ።
58. ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳኦ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን፡ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ።
59. ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን።
60. ብዙሓት ሐስዮም ዚምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን።
61. ኣብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጻ እኽእል እየ፡ በለ።
62. እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ስቕ በለ።
63. እቲ ለቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
64. የሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ።
65. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፊ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ።
66. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፊ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ።
67. ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡
68. ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ።
69. ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት።
70. ንሱ ኣብ ቅድሚ ዂሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሐደ።
71. ዓንቀጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም።
72. ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣየልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሐደ መሐለውን።
73. ቅሩብ ምስ ጸንሔ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ ኣሎ፡ በልዎ።
74. ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ።
75. ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ።

  Matthew (26/28)