← Matthew (25/28) → |
1. | ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። |
2. | ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሸተ ግና ለባማት እየን። |
3. | እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን። |
4. | እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ። |
5. | መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኲለን ትኽስ በላ ደቀሳውን። |
6. | ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። |
7. | ሽዑ እተን ደናግል ኲለን ተንስኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። |
8. | እተን ዓያሱ ንተን ለባማት፡ ቀነዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን። |
9. | እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን። |
10. | ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጽወ። |
11. | ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። |
12. | ንሱ ግና መሉሱ፡ ብሓቂ እብለክን ኣሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። |
13. | እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። |
14. | መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። |
15. | ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። |
16. | እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። |
17. | እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። |
18. | እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዂዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። |
19. | ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጻባጸበ። |
20. | እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። |
21. | እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። |
22. | እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። |
23. | ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። |
24. | እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ |
25. | ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። |
26. | እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸ ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። |
27. | እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ኽትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። |
28. | ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። |
29. | ንዘለዎ ዘበለ ዂሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። |
30. | ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። |
31. | ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኲሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። |
32. | ኲሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። |
33. | ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጻጋሙ የቑመን። |
34. | ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። |
35. | ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። |
36. | ዐሪቐ፡ ከአንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። |
37. | ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ |
38. | መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናኻ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕክሳ ከደንናካ፧ |
39. | መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ይብሉ። |
40. | እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ብሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። |
41. | ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። |
42. | ጠምየ ነበርኩ እሞ ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። |
43. | ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። |
44. | ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልሱሉ። |
45. | ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። |
46. | እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም። |
← Matthew (25/28) → |