Matthew (25/28)  

1. ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል።
2. ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሸተ ግና ለባማት እየን።
3. እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን።
4. እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ።
5. መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኲለን ትኽስ በላ ደቀሳውን።
6. ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ።
7. ሽዑ እተን ደናግል ኲለን ተንስኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ።
8. እተን ዓያሱ ንተን ለባማት፡ ቀነዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን።
9. እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን።
10. ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጽወ።
11. ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ።
12. ንሱ ግና መሉሱ፡ ብሓቂ እብለክን ኣሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን።
13. እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።
14. መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ።
15. ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ።
16. እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ።
17. እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ።
18. እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዂዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ።
19. ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጻባጸበ።
20. እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ።
21. እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ።
22. እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ።
23. ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ።
24. እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡
25. ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ።
26. እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸ ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ።
27. እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ኽትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ።
28. ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ።
29. ንዘለዎ ዘበለ ዂሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።
30. ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
31. ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኲሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።
32. ኲሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም።
33. ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጻጋሙ የቑመን።
34. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።
35. ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ።
36. ዐሪቐ፡ ከአንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።
37. ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧
38. መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናኻ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕክሳ ከደንናካ፧
39. መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ይብሉ።
40. እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ብሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
41. ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።
42. ጠምየ ነበርኩ እሞ ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን።
43. ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን።
44. ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልሱሉ።
45. ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
46. እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

  Matthew (25/28)