Matthew (24/28)  

1. የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ።
2. ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዂሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
3. ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።
4. የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።
5. ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንቡዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።
6. ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዂሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።
7. ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።
8. እዚ ዂሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
9. ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።
10. ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም።
11. ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።
12. ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።
13. እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።
14. እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።
15. እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡
16. ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ።
17. ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ።
18. ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ።
19. በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን።
20. ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።
21. ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።
22. እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።
23. ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ።
24. ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።
25. እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም።
26. እንሆ፡ ኣብ በረኻ ኣሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ፡ ኣብ ቤት ኣሎ፡ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ።
27. በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
28. ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም።
29. ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጻሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቅጥቅጡ እዮም።
30. ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኲሎ ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።
31. ንመላእክቲ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም።
32. ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
33. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዂሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።
34. እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
35. ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።
36. ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መለእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን።
37. ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
38. ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡
39. ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዂሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
40. ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ።
41. ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።
42. ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።
43. ግናኸ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት ነኣ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን።
44. ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።
45. እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣሰተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧
46. ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ።
47. ኣብ ኲሉ ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
48. እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ፡
49. ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን።
50. ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ።
51. ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

  Matthew (24/28)