Matthew (22/28)  

1. የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፡
2. መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።
3. ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ።
4. ከም ብሓድሽ ድማ ነቶ ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ስባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኣይ ባሮት ለኣኸ።
5. ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ።
6. እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምውን።
7. እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ።
8. ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡
9. ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም።
10. እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ።
11. እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረአየ እሞ፡
12. ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ።
13. ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላውኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃ ኣስናንን ይኸውን።
14. ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።
15. ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ።
16. ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ።
17. እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና።
18. የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም።
19. ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ።
20. ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በልም።
21. ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ አልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም።
22. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ።
23. በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ።
24. ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓው ኸኣ ዘርኢ የቚመሉ፡ በለ።።
25. ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓው ሐደጋ።
26. ከምኡ ኸኣ እቲ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ።
27. ድሕሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት።
28. ኲሎም ኣእተዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧
29. የሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣሎኹም።
30. ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን።
31. ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምውታት ኣይኰነን።
32. ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምውታት ኣይኰነን።
33. እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ።
34. ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውና ከም ዝዐጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ።
35. ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኺዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ።
36. ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኺዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ።
37. የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡
38. እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።
39. እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።
40. ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡ በሎ።
41. ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡
42. ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለካ፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ወዲ ዳዊት፡ በልዎ።
43. ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧
44. ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧
45. እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።
46. ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓደ እኳ ኺሐቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።

  Matthew (22/28)