Matthew (21/28)  

1. ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤትፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ።
2. በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም።
3. ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ።
4. እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዂሉ ዀነ።
5. እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዂሉ ዀነ።
6. ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።
7. ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሔ።
8. ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ።
9. ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ።
10. ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት።
11. እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ።
12. የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዂሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።
13. ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም።
14. ዕውራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
15. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ፡
16. እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም።
17. ሐዲግዎም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ሐደረ።
18. ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ።
19. ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት።
20. ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸት፧ ኢሎም ተገረሙ።
21. የሱስ መሉስ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዚኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዂሉ ኸም እትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
22. የሱስ መሉስ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዚኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዂሉ ኸም እትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
23. ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኺምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ በልዎ።
24. የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ።
25. ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ።
26. ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኲሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ።
27. ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም።
28. ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ።
29. ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ።
30. ናብ ኻልአይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን።
31. ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝግበረ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናባ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከ ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
32. ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውት ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩን።
33. ካልእ ምስላ ሰምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።
34. ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮቱ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ።
35. እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም።
36. ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም።
37. መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ።
38. እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ፡ ተባሃሀሉ።
39. ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ።
40. እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓየይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧
41. ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ።
42. የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧
43. ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
44. ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ።
45. ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ።
46. ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ።

  Matthew (21/28)