← Matthew (20/28) → |
1. | መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሳማማዕ፡ ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። |
2. | ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። |
3. | ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ከኣ ኦዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ። |
4. | ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዚግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ። |
5. | ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። |
6. | ድማ ብመበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፡ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። |
7. | ንሳቶም፡ ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱ፡ በሎም። |
8. | ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት፡ ውዕለቶም ሀቦም፡ በሎ። |
9. | እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። |
10. | እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። |
11. | ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፡ |
12. | ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። |
13. | ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሳማማዕካንን፧ |
14. | ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። |
15. | ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧ |
16. | ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ፡ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም። |
17. | የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ናብ መገዲ ወሰዶም በሎም ድማ፡ |
18. | እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም። |
19. | ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኦም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ። |
20. | ሽዑ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ድቃ መጸት፡ ተደፊኣ ድማ ካብኡ ገለ ለመነት። |
21. | ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትደልዪ፧ በላ። ንሳ፡ እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል፡ በለቶ። |
22. | የሱስ ግና መሊሱ፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧ በለ። ንሳቶም፡ ንኽእል፡ በልዎ። |
23. | ንሱ ኸኣ፡ ጽዋኤይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። |
24. | እቶም ዓሰርተ እዚ ሰሚዖም፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተናደዱ። |
25. | የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። |
26. | ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። |
27. | እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሉ ኸኣ፡ ባርያኻትኩም ይኹን። |
28. | ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን። |
29. | ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብዙሓት ህዝቢ ሰዐብዎ። |
30. | እንሆ ድማ፡ ክልተ ዕውራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ይሐልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ጨርሑ። |
31. | እቶም ህዝቢ ግና፡ ስቕ በሉ፡ ኢሎም ገንሕዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ ኢሎም ኣዝዮም ጨርሑ። |
32. | የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸዊዑ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። |
33. | ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ፡ በልዎ። |
34. | የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፡ ብኡብኡ ረኣዩ ሰዐብዎ ድማ። |
← Matthew (20/28) → |