Matthew (2/28)  

1. የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ።
2. የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ።
3. ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኲላ የሩሳሌምውን ምስኡ።
4. ንሱ ድማ ንዂሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ ኢሉ ሐተቶም።
5. ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ።
6. ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ።
7. ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ።
8. ናብ ቤት ልሄም ድማ ሰደዶም፡ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ፡ በሎም።
9. ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም።
10. ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ።
11. ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። ሳጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጽ በረኸተ ሀብዎ።
12. ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።
13. ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ፡ በሎ።
14. ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ።
15. እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ጸንሔ።
16. ሽዑ ሄሮድስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዂሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኲሉ ጐደቦታታ ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንብዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ።
17. ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተባህለ ተፈጸመ።
18. ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተባህለ ተፈጸመ።
19. ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እንሆ፡ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡
20. እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ።
21. ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ።
22. ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ግና፡ ናብኡ ምኻድ ፈርሄ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ።
23. እቲ ብነብያት፡ ናዝሬታዊ ኺበሀል፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።

  Matthew (2/28)