Matthew (19/28)  

1. ኰነ ድማ ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ ። ካብ ገሊላ ነቒሉ ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ።
2. ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም።
3. ፈሪሳውያን ድማ ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ፡ ተፈቒዱሉ እዩ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ።
4. መሊሱ በሎም፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ገጠሮም ፡
5. ድማ ፡ ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን
6. ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ፡ ሰብ ኣይፍለዮ ።
7. ንሳቶም ፡ ስለምንታይ ድኣ ሙሴ ። ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም ፡ ኪፈትሕዋ አዘዘ በልዎ ።
8. ንሱ ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን ፡ በሎም።
9. ኣነ ግና ፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ ፡እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
10. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን ፡ በልዎ ።
11. ንሱ ግና በሎም ፡እዚ ነገርዚ ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዂሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን ።
12. ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ።
13. ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም ፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ ፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም ።
14. የሱስ ግና ፤ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ፡ ሕደጉ ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም ፡ በለ።
15. ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ።
16. እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ ፡ ዎ መምህር ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር በለ ።
17. ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ ኣሎኻ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና ፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ ።
18. ንሱ ፡ ኣየኖት በሎ። የሱስ ከኣ ፡ እኒ ኣይትቕተል ፡ ኣይትዘሙ ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር።
19. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ ፡ በሎ ።
20. እቲ ጐበዝ ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ ኣሎኹ ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ በሎ።
21. የሱስ ከኣ ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ ፡ ኪድ ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ፡ ንዓ ሰዐበኒ ፡ በሎ ።
22. እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ዘረባኡ ምስ ሰምዔ ፡ እናጐሀየ ኸደ።
23. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አለኹ።
24. ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
25. እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ ።
26. የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን ፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ ፡ በሎም ።
27. ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ፡ እንሆ ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና በሎ።
28. የሱስ በሎም ፤ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
29. ስለ ስመይ ኢሉ ፡ ኣባይቲ ዀነ ፡ ወይስ ኣሕዋት ፡ ወይ ኣሓት ፡ ወይ ኣቦ ፡ ወይ ኣደ ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ውሉድ ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ ናይ ዘልኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ።
30. ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት ፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።

  Matthew (19/28)