| ← Matthew (18/28) → |
| 1. | በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግሰተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ ። |
| 2. | ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። |
| 3. | በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም ፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 4. | እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ |
| 5. | ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል ፡ ንኣይ ይቕበል ። |
| 6. | ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናኣሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቚ ባሕሪ ኪጥሕል ይሔሾ። |
| 7. | መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ ። |
| 8. | ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ካብ እትድርበስ ፡ ቊሩጽ ወይስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። |
| 9. | ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። |
| 10. | ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 11. | ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡ |
| 12. | እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን |
| 13. | እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 14. | ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኪጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። |
| 15. | ሓውካ እንተ በደለካ ፡ ኪድ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ ። እንተ ሰምዓካ ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ ። |
| 16. | እንተ ዘይሰማዓካ ግና ፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኲሉ ነገር ኪጸንዕ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። |
| 17. | ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ ፡ ማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና ፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። |
| 18. | ኣብ ምድሪ ዝአሰርኩምዎ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 19. | ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። |
| 20. | ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። |
| 21. | ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ ጐይታይ ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ ። |
| 22. | የሱስ በሎ ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር። ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን ። |
| 23. | ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጻባጸብ ዝድለየ ንጉስ ትመስል። |
| 24. | ኪጻባጸብ ምስ ጀመረ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። |
| 25. | ዚፈድዮ ምስ ስአነ ግና ፡ እቲ ጐይትኡ ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዂሉን ኪሸየጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። |
| 26. | ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ ፡ ጐይታይ ፡ ተዐገሰኒ ኲሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ ፡ ኢሉ ሰገደሉ ። |
| 27. | ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን ፡ ዕድኡውን ሐደገሉ ። |
| 28. | እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና ፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ ። ሒዙ ኸኣ ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ ፡ ኢሉ ሐነቆ። |
| 29. | ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ ፡ ተዐገሰኒ ፡ ኲሉ ኽፈድየካ እየ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ ። |
| 30. | ንሱ ግና አበዮ ፡ ከይዱ ድማ ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ ፡ ኣእሰሮ። |
| 31. | እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። |
| 32. | ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። |
| 33. | ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን በሎ። |
| 34. | ጐይታኡ ዀርዩ ፡ ኲሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ ፡ ንዜጽብብሉ ኣሕሊፉ ሀቦ ። |
| 35. | ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓው ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ ፡ እቲ ሰማይዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብርኩም እዩ። |
| ← Matthew (18/28) → |