Matthew (18/28)  

1. በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግሰተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ ።
2. ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ።
3. በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም ፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
4. እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ
5. ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል ፡ ንኣይ ይቕበል ።
6. ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናኣሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቚ ባሕሪ ኪጥሕል ይሔሾ።
7. መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ ።
8. ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ካብ እትድርበስ ፡ ቊሩጽ ወይስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
9. ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
10. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
11. ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡
12. እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን
13. እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
14. ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኪጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።
15. ሓውካ እንተ በደለካ ፡ ኪድ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ ። እንተ ሰምዓካ ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ ።
16. እንተ ዘይሰማዓካ ግና ፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኲሉ ነገር ኪጸንዕ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።
17. ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ ፡ ማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና ፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።
18. ኣብ ምድሪ ዝአሰርኩምዎ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
19. ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
20. ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
21. ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ ጐይታይ ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ ።
22. የሱስ በሎ ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር። ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን ።
23. ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጻባጸብ ዝድለየ ንጉስ ትመስል።
24. ኪጻባጸብ ምስ ጀመረ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ።
25. ዚፈድዮ ምስ ስአነ ግና ፡ እቲ ጐይትኡ ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዂሉን ኪሸየጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ።
26. ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ ፡ ጐይታይ ፡ ተዐገሰኒ ኲሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ ፡ ኢሉ ሰገደሉ ።
27. ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን ፡ ዕድኡውን ሐደገሉ ።
28. እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና ፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ ። ሒዙ ኸኣ ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ ፡ ኢሉ ሐነቆ።
29. ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ ፡ ተዐገሰኒ ፡ ኲሉ ኽፈድየካ እየ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ ።
30. ንሱ ግና አበዮ ፡ ከይዱ ድማ ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ ፡ ኣእሰሮ።
31. እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ።
32. ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ።
33. ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን በሎ።
34. ጐይታኡ ዀርዩ ፡ ኲሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ ፡ ንዜጽብብሉ ኣሕሊፉ ሀቦ ።
35. ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓው ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ ፡ እቲ ሰማይዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብርኩም እዩ።

  Matthew (18/28)