← Matthew (17/28) → |
1. | ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። |
2. | ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ ። |
3. | እንሆ ኸኣ ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ። |
4. | ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ ። |
5. | ገና ኺዛረብ ከሎ ፡ እንሆ ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም ። እንሆ ኸኣ ፡ ካብቲ ደበና ፡ ዝፈትዎ ወደይ ፡ ብእኡ ዝስመርኩ እዚ እዩ ፡ ንእኡ ስምዕዎ። ዚብል ድምጺ መጸ። |
6. | ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ ። |
7. | የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። |
8. | ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። |
9. | ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳብ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ ፡ ኢሉ ኣዘዞም ። |
10. | ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፤ ንምንታይ ድኣ ጸሓፍቲ ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ ፡ ዚብሉ ፡ ኢሎም ሐተትዎ ። |
11. | ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም ፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ ፡ ንዂሉ ድማ የቕንዕ ። |
12. | ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ፤ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ ፡ ከም ዝድለዩ ገበርዎ እምበር ፡ ኣየለለይዎን ። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም ። |
13. | ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ። |
14. | ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢዱ ነስኣሉ። |
15. | በሎውን ፤ጐይታይ ፡ ንወደይ ምሐረለይ ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ ፡ |
16. | ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ። |
17. | የሱስ ግና መለሰ በለውን ፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ ፡ ክሳዕ መኣስ ምሳኻትኪም ክነብር እዩ ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ። |
18. | የሱስ ገንሖ ፡እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ስዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። |
19. | ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም ፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና በልዎ ። |
20. | የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጐደለት ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ፡ ነዚ ኸረን ድማ ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ ፡ ትብልዎ ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚስኣነኩምውን የልቦን ። |
21. | እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም። |
22. | ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ ኣለዎ። |
23. | ኪቐትልዎ፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም ። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ። |
24. | ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ ፡ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም ፤ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብርዶ ኣይፈድን እዩ በልዎ። |
25. | ንሱ ፤ይፈዲባ ፡ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ ፤ ስምኦን ፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት ፡ እንታይ ይመስለካ በሎ ። |
26. | ጴጥሮስ ፤ ካብ ካልኦትባ ፡ በለ። የሱስ ከኣ ደቆምስኸ ናጻ እዮም። |
27. | ከይንዕንቅፎም ግና ፡ ናብ ባሕሪ ኬድካ መቓጥን ደርቢ ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም ፡ በሎ። |
← Matthew (17/28) → |