Matthew (17/28)  

1. ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም።
2. ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ ።
3. እንሆ ኸኣ ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ።
4. ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ ።
5. ገና ኺዛረብ ከሎ ፡ እንሆ ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም ። እንሆ ኸኣ ፡ ካብቲ ደበና ፡ ዝፈትዎ ወደይ ፡ ብእኡ ዝስመርኩ እዚ እዩ ፡ ንእኡ ስምዕዎ። ዚብል ድምጺ መጸ።
6. ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ ።
7. የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም።
8. ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
9. ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳብ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ ፡ ኢሉ ኣዘዞም ።
10. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፤ ንምንታይ ድኣ ጸሓፍቲ ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ ፡ ዚብሉ ፡ ኢሎም ሐተትዎ ።
11. ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም ፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ ፡ ንዂሉ ድማ የቕንዕ ።
12. ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ፤ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ ፡ ከም ዝድለዩ ገበርዎ እምበር ፡ ኣየለለይዎን ። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም ።
13. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ።
14. ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢዱ ነስኣሉ።
15. በሎውን ፤ጐይታይ ፡ ንወደይ ምሐረለይ ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ ፡
16. ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ።
17. የሱስ ግና መለሰ በለውን ፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ ፡ ክሳዕ መኣስ ምሳኻትኪም ክነብር እዩ ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ።
18. የሱስ ገንሖ ፡እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ስዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ።
19. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም ፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና በልዎ ።
20. የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጐደለት ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ፡ ነዚ ኸረን ድማ ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ ፡ ትብልዎ ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚስኣነኩምውን የልቦን ።
21. እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም።
22. ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ ኣለዎ።
23. ኪቐትልዎ፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም ። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ።
24. ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ ፡ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም ፤ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብርዶ ኣይፈድን እዩ በልዎ።
25. ንሱ ፤ይፈዲባ ፡ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ ፤ ስምኦን ፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት ፡ እንታይ ይመስለካ በሎ ።
26. ጴጥሮስ ፤ ካብ ካልኦትባ ፡ በለ። የሱስ ከኣ ደቆምስኸ ናጻ እዮም።
27. ከይንዕንቅፎም ግና ፡ ናብ ባሕሪ ኬድካ መቓጥን ደርቢ ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም ፡ በሎ።

  Matthew (17/28)