Matthew (16/28)  

1. ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ።
2. ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ።
3. ምስ ወግሔ ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን
4. ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትምእርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዎም ከኣ ኸደ።
5. ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረሰዑ።
6. የሱስ ድማ ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፋሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተአርነቡን፡ በሎም።
7. ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ።
8. የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልብኹም ትሐስቡ
9. እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን
10. ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም
11. እቲ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ
12. ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም ፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ።
13. የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ምስ መጸ ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኢሉ ሐተቶም።
14. ንሳቶም ከኣ ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ።
15. ንሱ ኸኣ ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም በሎም።
16. ስምኦን ጴጥሮስ ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ፡ ኢሉ መለሰሉ።
17. የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ።
18. ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።
19. መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።
20. ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
21. ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጻሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ፡ ኺቕተል ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ። ኪገልጸሎም ጀመረ።
22. ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ድኣ ጐይታይ ፡እዝስ ኣይብጻሕካ ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ።
23. የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ፤ካባይ ርሓቕ ፡ ሰይጣን ፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐሰብን ኢኻ እሞ ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ።
24. ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።
25. ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።
26. ንሰብከ ዂላ ዓለም ረቢሑስ ፡ ነፍሱ እንተ እጥፍኤ ፡ እንታይ ይጠቅሞ ፡ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ
27. ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ።
28. ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኪመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

  Matthew (16/28)