| ← Matthew (16/28) → |
| 1. | ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። |
| 2. | ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። |
| 3. | ምስ ወግሔ ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን |
| 4. | ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትምእርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዎም ከኣ ኸደ። |
| 5. | ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረሰዑ። |
| 6. | የሱስ ድማ ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፋሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተአርነቡን፡ በሎም። |
| 7. | ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ። |
| 8. | የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልብኹም ትሐስቡ |
| 9. | እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን |
| 10. | ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም |
| 11. | እቲ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ |
| 12. | ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም ፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ። |
| 13. | የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ምስ መጸ ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኢሉ ሐተቶም። |
| 14. | ንሳቶም ከኣ ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። |
| 15. | ንሱ ኸኣ ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም በሎም። |
| 16. | ስምኦን ጴጥሮስ ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 17. | የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። |
| 18. | ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። |
| 19. | መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። |
| 20. | ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። |
| 21. | ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጻሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ፡ ኺቕተል ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ። ኪገልጸሎም ጀመረ። |
| 22. | ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ድኣ ጐይታይ ፡እዝስ ኣይብጻሕካ ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። |
| 23. | የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ፤ካባይ ርሓቕ ፡ ሰይጣን ፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐሰብን ኢኻ እሞ ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ። |
| 24. | ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። |
| 25. | ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። |
| 26. | ንሰብከ ዂላ ዓለም ረቢሑስ ፡ ነፍሱ እንተ እጥፍኤ ፡ እንታይ ይጠቅሞ ፡ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ |
| 27. | ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ። |
| 28. | ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኪመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| ← Matthew (16/28) → |