Matthew (15/28)  

1. ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡
2. ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ ኣለዉ፧ በልዎ።
3. ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም፧
4. ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ዀን ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት፡ በለ።
5. ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀሙሉ መባእ ጌረዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ።
6. ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ።
7. ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡
8. እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ።
9. ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።
10. ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ፡ ኣስተውዕሉ፡
11. ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚኣቱስ ንሰብ ኣየርክሶን።
12. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ።
13. ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዂሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ።
14. ሕደግዎም፡ ዕውራትን መራሕቲ ዕውራትን እዮም። ንዕውርስ ዕውር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጒድጓድ ይወድቁ።
15. ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጒመልና፡ ኢሉ መለሰሉ።
16. የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧
17. ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈጡን ኢኹም፧
18. እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።
19. ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡
20. እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።
21. የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ።
22. እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት።
23. ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ።
24. ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ።
25. ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ።
26. ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ።
27. ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት።
28. ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት።
29. የሱስ ካብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ።
30. ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም።
31. እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራጻት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕውራትውን ኪርእዩ ርኣዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።
32. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዚበልዖዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን።
33. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ።
34. የሱስ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ።
35. ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም።
36. ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሀቦም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም።
37. ኲሎም በሊዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓአ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ።
38. እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑ፡ ኣርባዐ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ።
39. ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ።

  Matthew (15/28)