Matthew (13/28)  

1. በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ።
2. ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ።
3. ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።
4. ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ።
5. ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ።
6. ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ፡ ነቐጸ።
7. ገሊኡ ኣብ እሾዂ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን።
8. ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ።
9. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
10. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘሎኻ፧ በልዎ።
11. መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።
12. ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም።
13. እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፡ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ።
14. ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸአም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።
15. ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸአም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።
16. ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።
17. ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።
18. እምብኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ።
19. ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዂሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ።
20. እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ።
21. ንሽዑ ጥረኣይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ።
22. እቲ ኣብ እሾዂ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ።
23. እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ምእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ።
24. ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል።
25. እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጻላኢኡ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።
26. ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ።
27. ነቲ በዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ።
28. ንሱ ኸኣ፡ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ።
29. ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ።
30. ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ።
31. ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።
32. ንሳ ኸኣ ካብ ኲሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘለት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨነፍራ ኽሳዕ ዚዐርፋ፡ ካብ ኲሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን።
33. ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ ትመስል።
34. የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።
35. የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።
36. ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጒመልና፡ በልዎ።
37. መሉሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ።
38. እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም።
39. እቲ ዝዘርኦም ጻላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም።
40. ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
41. ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዂሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡
42. ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
43. ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጻሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
44. ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዂሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ።
45. ድማ መንግስተ ሰማያት ጽቡቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል።
46. ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዂሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ።
47. ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኲሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።
48. ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ።
49. ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡
50. ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
51. ነዚ ዂሉስ ኣሰተውዒልኩምዎዶ ኣሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ፡ በልዎ።
52. ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዂሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም።
53. ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤ፡ ካብኣ ነቐለ።
54. ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን፧ ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም።
55. ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን፧ ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም።
56. ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን፧ ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም።
57. ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም።
58. ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

  Matthew (13/28)