Matthew (11/28)  

1. ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ።
2. ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡
3. እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ።
4. የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንብስ ንገርዎ፡
5. ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምውታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ።
6. ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ።
7. ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚልብ ሻምብቆዶ፧
8. እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ።
9. ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
10. እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ።
11. ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማይ ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።
12. ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ ምንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ።
13. ኲሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ።
14. ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ።
15. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
16. ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል።
17. እሞ ዚብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኸኹምን።
18. ዮሃንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ።
19. ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።
20. ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነስሓ ኺነቕፈን ጀመረ፡
21. ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓመዂስቲ ተነጺፈን ምተነሰሓ ነይረን።
22. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልል፡ እብለክን ኣሎኹ።
23. ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ።
24. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኸ።
25. በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ።
26. እወ፡ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ።
27. ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን።
28. ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።
29. ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።
30. ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።

  Matthew (11/28)