Mark (9/16)  

1. ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
2. ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ።
3. ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ።
4. ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ።
5. ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መለሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ።
6. ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ።
7. ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
8. ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
9. ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
10. ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምውታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ።
11. ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
12. ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዂሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዐቕን እዩ።
13. ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበረዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
14. ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢልዎም፡ ጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ።
15. ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ።
16. ንጻሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም።
17. ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡
18. ኣብ ዝሐዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዐፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ።
19. ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ።
20. ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዐፈረ ኸኣ።
21. የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡
22. ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ግለ ትኽእል እንተ ኼንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ።
23. የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ኼንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዚኣምን ኲሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ።
24. ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ ኣእምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፎ፡ በለ።
25. የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ።
26. ገዐረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳኦ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ።
27. የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ።
28. ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ።
29. ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ በሎም።
30. ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን።
31. ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይውሀብ ኣሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም።
32. ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዐልዎን፡ ከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ።
33. ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም።
34. ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ።
35. ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዂሉን ግዙእ ኲሉን ይኹን፡ በሎም።
36. ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡
37. ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም።
38. ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዐበና ኸሊእናዮ፡ በሎ።
39. የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።
40. ዘይበኣሰና ዘበለ ዂሉ ምሳና እዩ።
41. ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
42. ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ።
43. ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
44. ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
45. እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
46. እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
47. ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ።
48. ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ።
49. ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኲሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቅር።
50. ጨው ጽቡቕ እይ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቅርዎ፡ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።

  Mark (9/16)