| ← Mark (9/16) → |
| 1. | ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። |
| 2. | ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። |
| 3. | ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። |
| 4. | ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። |
| 5. | ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መለሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። |
| 6. | ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። |
| 7. | ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። |
| 8. | ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። |
| 9. | ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። |
| 10. | ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምውታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ። |
| 11. | ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ። |
| 12. | ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዂሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዐቕን እዩ። |
| 13. | ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበረዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። |
| 14. | ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢልዎም፡ ጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ። |
| 15. | ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። |
| 16. | ንጻሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። |
| 17. | ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ |
| 18. | ኣብ ዝሐዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዐፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 19. | ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። |
| 20. | ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዐፈረ ኸኣ። |
| 21. | የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ |
| 22. | ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ግለ ትኽእል እንተ ኼንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። |
| 23. | የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ኼንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዚኣምን ኲሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። |
| 24. | ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ ኣእምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፎ፡ በለ። |
| 25. | የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። |
| 26. | ገዐረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳኦ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። |
| 27. | የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ። |
| 28. | ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ። |
| 29. | ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ በሎም። |
| 30. | ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን። |
| 31. | ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይውሀብ ኣሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም። |
| 32. | ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዐልዎን፡ ከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ። |
| 33. | ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። |
| 34. | ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። |
| 35. | ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዂሉን ግዙእ ኲሉን ይኹን፡ በሎም። |
| 36. | ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡ |
| 37. | ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም። |
| 38. | ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዐበና ኸሊእናዮ፡ በሎ። |
| 39. | የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። |
| 40. | ዘይበኣሰና ዘበለ ዂሉ ምሳና እዩ። |
| 41. | ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 42. | ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ። |
| 43. | ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። |
| 44. | ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። |
| 45. | እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። |
| 46. | እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። |
| 47. | ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ። |
| 48. | ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ። |
| 49. | ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኲሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቅር። |
| 50. | ጨው ጽቡቕ እይ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቅርዎ፡ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። |
| ← Mark (9/16) → |