Mark (8/16)  

1. በቲ ቕነ እቲ ኸም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡
2. እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም፡ ዚብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ፡ የደንግጹኒ ኣለዉ።
3. ሓያሎ ኻባታቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም፡ ጸሞም ነናብ ቤቶም እንተ ኣሳናበትክዎም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም፡ በሎም።
4. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ነዞም ሰብ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧ ኢሎም መለሱሉ።
5. ንሱ ኸኣ፡ ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ሾብዓተ፡ በልዎ።
6. ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። እተን ሾብዓተ እንጌራ ወሲዱ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኪቕርብሎም ሀቦም። ነቶም ህዝቢ ድማ ቐረቡሎም።
7. ሒደት ዓሳ ኸኣ ነበሮም፡ ንእኡ ድማ ባሪኹ ሀቦም፡ ኪቕርቡሎምውን ኣዘዘ።
8. በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ከኣ ሾብዓተ መሶብ ኣልዐሉ።
9. እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እዮም። ሽዑ ኸኣ ኣሳናበቶም።
10. ድሕርዚ ብኡብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ሃገር ደልማኑታ መጸ።
11. ፈሪሳውያንን ከኣ ወጹ፡ እናፈተንዎ ኻብ ሰማይ ትእምርቲ ኻብኡ ደልዮም ኪካራኸርዎ ጀመሩ።
12. ንሱ ድማ ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ ኣሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሀቦ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ።
13. ሐዲግዎም ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ኣተወ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ።
14. ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ፡ ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ብጀካ ሓንቲ እንጌራ ኣይነበሮምን።
15. ንሱ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ ኢሉ ኣዘዞም።
16. ንሓድሕዶም ድማ፡ እንጌራ ስለ ዜብልና እዩ፡ ኢሎም ሐሰቡ።
17. የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧
18. ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧
19. እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ዓሰርተው ክልተ፡ በልዎ።
20. እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ በልዎ።
21. ንሱ ድማ፡ ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ በሎም።
22. ናብ ቤተሳይዳ ኸኣ መጹ። ዕውር ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኪትንክዮ ለመንዎ።
23. ነቲ ዕውር ድማ ብኢዱ ሒዙ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኣንበረሉ እሞ፡ ገለዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ።
24. ቋሕ ኢሉ ድማ፡ ሰባት እርኢ ኣሎኹ፡ ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም ኣሎኹ፡ በለ።
25. ከም ብሓድሽ ድማ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እምኦ ኣጸቢቑ ጠመተ፡ ሐወየ ንዂሉውን ተቐሊዑ ረኣዮ።
26. የሱስ ከኣ፡ ናብ ዕዲ ኣይትእቶ፡ ኢሉ ናብ ቤቱ ሰደዶ።
27. የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ከዱ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣብ መገዲ፡ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧ ኢሉ ሐተቶም።
28. ንሳቶም ድማ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ በልዎ።
29. ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ በሎም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፡ በሎ።
30. ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም።
31. ንወዲ ሰብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይቲ ህዝብን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዝግብኦ፡ ኪምህሮም ጀመረ።
32. ነዚ ነገርዚ ድማ ኣግሂዱ ተዛርቦ። ጴጥሮስ ከኣ ፍልይ ኣቢሉ ኺገንሖ ጀመረ።
33. ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ርእዩ፡ ንጴጥሮስ፡ ኣታ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ኢሉ ገንሖ።
34. ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደአድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።
35. ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሓና እዩ።
36. ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧
37. ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሀበ፧
38. ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።

  Mark (8/16)